ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ግጥማት ቻን ብዋና ዳኛነት እትሳተፍ ሊድያ ታፈሰ

ዳኛ ሊያ ታፈሰ

ምንጪ ስእሊ, CAF

‘ቻን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ካሜሩን ክጅመር እዩ። ካፍ ነዚ ጸወታ ዝዳንዩ 47 ዳያኑ ካብ 31 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓርዩ ኣሎ።

ነዚ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዝመርሑ 47 ደያኑ እተን 4 ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ንሳተን ብኣካላዊ፣ ስፖርታውን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብዘለወን ርድኢትን ተመልሚለን ከምዝተሓረያ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቶም ዝተሓረዩ 47 ደያኑ እቶም 19 ናይ ማእኸል ደያኑ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ነዓኣቶም ዝሕግዙ ናይ መስመርን ቪድዮን ደያኑ እዮም።

ኢትዮጵያዊት ሊድያ ታፈሰ ብሕታዊት (እንኮ) ጓል ኣነስተይቲ ናይ ማእኸል ዳይና እቲ ጸወታ ኮይና ተሓርያ ኣላ።

ሊድያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ውሽጢ ዓድን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዳንያ ብቕዓታ ስለዘመስከረት እያ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ ናይ ማእኸል ዳይና ኮይና ብኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝተመረጸት።

ካፍ ኣብ ዘዳልዎም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዳይነት ክሳተፋ ከምዘለወን ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ከይዲ እቲ ውድድር ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ተዋሂብወን ይሰርሓ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ኣብቲ ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ውድድር ካብ ሊድያ ታፈሰ ብተወሳኺ ካብ ናይጀርያ፣ ካሜሩንን ማላውን ዝተመረጻ ደቂ ኣንስትዮ ብናይ መስመር ዳይነት ክሳተፋ እየን።

ያ መን'ያ?

ኣዶ ሓደ ቆልዓ ዝኾነት ሊድያ ታፈሰ ፈለማ ናብ ስፖርት ዓለም ክትኣቱ ዝኸኣለት ኣብ ጅማ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኩዕሶ ስክዒት እዩ ነይሩ።

ንሳ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ኩዕሶ እግሪ እኳ ትጻወት እንተነበረት ቀዳማይ ምርጭኣ ግን ኩዕሶ ስክዔት ከምዝነበረ እያ ትገልጽ። ሊድያ ታፈሰ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሊግ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብቕዓቶም ካብ ዘመስከሩ ደያኑ ሓንቲ እያ።

ሊድያ ኣብቲ ፈለማ ዳይነት ዝጀመረትሉ ግዜ ሕቶን ዕንቅፋትን ኣጋጢምዋ ከምዝነበረ ካፍ ኣብ ናታ ዛንታ ተሞሪኩሱ ኣብ ዝጽሓፎ ታሪኽ ሰኒድዎ’ሎ።

“ብጣዕሚ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ገለ ሰባት ‘ዋላ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ኣብዘይብሉ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ስለምንታይ ክትሳተፊ ደሊኺ?’ ኢሎም ይሓቱኒ ነይሮም” ትብል።

ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኩዕሶ እግሪ ንምፍራይ ዓሊሙ ብዝንቀሳቐስ ፕሮጀክት ስልጠና ረኺባ ንተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ብምድናይ ስራሕ ከምዝጀመረት እትገልጽ ሊድያ፡ ጸኒሓ ክሳብ ኣብ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይ ማእኸል ዳይና ኮይና ተሳቲፋ።

ኣብ ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ልዑል ፍቕሪ’ኳ እንተሃለዋ፡ ጓል ኣነስተይቲ ኮይና ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጸወታ ኣብ ትዳንየሉ ግዜ ከም ጋሻ ገይሮም ዝቖጽርዋ ሰባት ከምዝነበሩ ትዝክር።

እንተኾነ ግን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኩዕሶ እግሪ ትጻወት ስለዝነበረት ርእሰ ተኣማንነት ከምዘጥረየት እትገልጽ ሊድያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይ ስድርኣ ሓገዝ ሓለፋ ከምዝነበሮ ተዘንቱ።

ሊድያ ቅድሚ 15 ዓመታት ናይጀርያን ላይበርያን ኣብ ውድድር ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ዘካየድኦ ውድድር ዳንያ ከምዝነበረት ትገልጽ።

“እቲ ጸወታ ፍጹም ኣይርስዖን። ምኽንያቱ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለዝነበረ። ግዝፈት ናይቲ ስትድየም ካብ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንፈልጦ ዝተፈለየ እዩ” እትብል ሊድያ ታፈሰ ተመልከቲ’ውን ፍሉያት ከምዝነበሩ ተዘክሮኣ ኣካፊላትና።

መላእ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ከምዝዳነየት እትገልጽ ሊድያ ኣብ ክልተ ዓመት ዝካየድ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ጽዋዕ መን ወሰደ ብተኸታታሊ ንኣርባዕተ ዓመታት ከምዝዳነይትን ቀጻሊ ንዝካየድ ጸወታ ክትዳኒ ኣብ ቅድመ ምድላዋት ከምእትርከብን ድማ ሓቢራትና።

ሊድያ ታፈሰ

ምንጪ ስእሊ, LIDIYA TAFESSE

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ቅድሚ ሓደ ዓመትን ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከምኡ'ውን ፊፋ ኣብ ዘዳለዎም ናይ ትሕቲ 17 ዓመትን ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦምን ዘካየድዎ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ብዳይነት ተሳቲፋ።

ሊድያ ታፈሰ ድሕሪ ወሊድ ናብ'ቲ ኣዝያ እትፈትዎ ሞያ ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ንኽትምለስ ተጸጊማ ከምዝነበረት ተዘንቱ።

“ድሕሪ ወሊድ ኣካላዊ ለውጢ የጋጥም እዩ። ክብደት ወሲኸ ስለዝነበርኩ ናብ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስሩዕ ቁመና ንኽምለስ ብዙሕ ክሰርሕ ግድን’ዩ ነይሩ። ጠንኪረ ስለዝሰራሕኹ ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ ኣብ ውድድር ጽዋዕ ኣፍሪቃ ናይ ምስታፍ ዕድል ረኺበ” ትብል።

ንጸወታ ጽዋዕ ኣፍሪቃ ኣብ እትዳለወሉ ግዜ መጉዳእቲ ገጢምዋ ከምዝነበረ እትገልጽ ሊድያ፡ ናብ ሃገራ ከምእትምለስን ብእኡ ኣቢላ ድማ ካብ ስፖርት ዓለም ከይትሰናበት ስግኣት ሓዲርዋ ከምዝነበረ ሓቢራ።

እንተኾነ ግን ኣይከምዝሰግአቶን ሓውያ ናብ፤ቲ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክትበጽሕ ኪኢላ። ካብ መጉዳእቲ ድሒና ብወሰኽ ሰዓት ናብ ፍርቂ ፍጻመ መን ሓለፈ ንዝተጻወታ ሃገራት ኮትዲቫርን ካሜሩንን ብዳይነት ኣጻዊታ ምንባራ ትዝክር።

“እቲ ጸወታ ብወሰኽ ግዜ ክቕጽል ምስተወሰነ ካብቶም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ንላዕሊ ኣነ ሓይሊ ስለዝነበረኒ ኣመና ደስ ኢሉኒ” ብምባል እቲ ዝነበረ ኩነታት ንድሕሪት ምልስ ኢላ ተዘንቱ።

ሊድያ ኣብ ወሰንቲ ብደረጃ ኣህጉርን ዓለም ለኻውን ዝተኻየዱ ውድድራት ብዳይነት ተሳቲፋ እያ። ንቐጻሊ ከኣ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድራት ኣፍሪቃ ከምእትሳተፍ ተስፋ ሰኒቓ ኣላ።

ሊድያ ካብ እቲ ናይ ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ብተወሳኺ ፋርማሲስት እያ። ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ተቛሪጹ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፋርማሲስት ኮይና እናሰረሐት ጸኒሓ።

ሰባት ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ክኸላኸሉ ከምዘለዎም ሓበሬታ ብምሃብ ሰሪሓ።

ኣብ እቲ ዘላቶ ናይ ዓወት መገዲ ንኽትበጽሕ ድጋፍ ስድርኣ፣ በዓል ቤታን ውሉዳን ክብ ዝበለ ከምዝኾነ ትገልጽ።

ካብ ከዋኽብቲ ደያኑ ኩዕሶ እግሪ ሓንቲ ዝኾነት ሊድያ ታፈሰ ካልኦት ደያኑ ደቂ ኣንስትዮ ክበዝሓ ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ። ሊድያ ካብ ሞያ ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ምስተሰናበተት ብናይ ፋርማሲ ሞያ ከምእትቕጽልን ደቂ ኣንስትዮ ደያኑ ኩዕሶ እግሪ ክተሰልጥንን ሕልሚ ከምዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢራ።