ኤፍቢኣይ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ 'ዕጡቓት' ደገፍቲ ትራምፕ ተቓውሞ ከየልዕሉ ሰጊኡ

ኤፍቢኣይ ጆ ባይደን ፕረዚደንታዊ ቃለ-መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዘለው መዓልትታት፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ዕጡቓት ኣብ ህንጻታት ባይቶ ናይተን ሓምሳ ግዝኣታት ኣሜሪካን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ቅድሚ እቲ 20 ጥሪ 2021 ዝካየድ ጽምብል ምርኽኻብ ስልጣን፡ ክተኣኻኸቡ ይውጥኑ ኣለው።

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ካብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ወጻኢ ነቲ ቃለ መሓላ ንምፍጻም ከም ዘይፈርሕ ተዛሪቡ።

ዛጊት ንሱን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ነቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ከባቢ እቲ ህንጻ ኣብ ክፉት ስፍራ ክፍጽሞ እዩ እቲ ውጥን ዘሎ።

ኣብ 6 ጥሪ 2021 ሕሉፋት ደገፍቲ ትራምፕ ንውጽኢት እቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ ብምቅዋም ነቲ ህንጻ ድሕሪ ምውራሮም ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ሰብ መዚ ጸጥታ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተርኣየ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዘይህሉ ተመባጺዖም ኣለው።

ደገፍቲ ትራምፕን ሕሉፍ የማናውያንን ብመርበባት ኢንተርነት ብዝዝርግሑዎም ዘለው ጽሑፋት፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ተቓውሞ ዝጸውዑ ዘለው ኮይኖም፡ ብ 17 ጥሪ ከምኡ'ውን ኣብታ ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ዝፍጸመላ ዕለት ዕጥቂ ዝተሓወሶ ሰልፊ ኣብ ከተማታት እንከይተረፈ ንክካየድ ይጉስጉሱ ኣለው።

ጆ ባይደን 20 ጥሪ 2021 ቃለ መሓላ ንክፍጽም ምድላው ይግበር ብምህላውን ነቲ ዕለት ዝኸውን ስራሓት ድሕነት ከም ዝጀመረ ይግለጽ።

ግዚያዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ቻድ ዎልፍ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሮቡዕ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጸገማት ንከየጋጥሙ ፍሉይ ኣገልግሎት ድሕንት ክጅመር መምርሒ ከም ዝሃበ ገሊጹ።

ከም ሓበሬታ ሰብ መዚ እንተኾይኑ፡ ነታ ባይደን ቃለ መሓላ ዝፍጽመላ መዓልቲ ኣስታት 15 ሽሕ ወተሃደራት ሓለዋ ክዳለው እዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ወይ'ውን ክኽሰስ ዝብሉ ጻውዒታት ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሪፐብሊካንን ዴሞክራትን ከካትዑ ዝቐነዩ ጉዳያት እዮም።

ትማሊ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ቅድሚ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘለዎ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዘልዕል መስርሕ ምጅማሩ ካብ ስልጣኑ ኣብ ዝእለየሉ ውጥናት ብዝምልከት ንኣርቀቕቲ ሕጊ እታ ሃገር ሓበሬታ ዝሃበት ኮይና ሎሚ መዓልቲ ውሳነ ክወሃብ'ዩ።

ባይቶ ኣመሪካ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ንትራምፕ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ዝጽውዕ ብይን ንምጽዳቕ ድምጺ ክህቡ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።

ዴሞክራት ብወገኖም ትራምፕ ምስቲ ኣብ ካፒቶል ዝተወለዐ ዕግርግር ዝነበሮ እጃም ብዝተሓሓዝ “ናዕቢ ምጉስጓስ” ብዝብል ክሲ ክምስርቱሉ ምዃኖም ይግለጽ።