እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2020፡ መሻርኽቲ ትራምፕ ክሪስ፡ ትራምፕ ስዕረቱ ንክቕበል ሓቲቱ
ፍሉጥ ሸሪኽ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትራምፕ ጆ ባይደን ዝረኸቦ ዓወት ንምልዋጥ ዝገብሮ ኩሉ ጻዕርታት ንክገድፎም ሓቲቱዎ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ መርትዖ ዘይብሉ ክስታት ጥራሕ ብምቕራብ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ብምባል ክሳብ ሕጂ ስዕረቱ ክቕበል ኣይክኣለን።
ብቐዳም ዶናልድ ትራምፕ ንውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ዝምልከት ዘቕረቦ ክሲ ውድቂ ብምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ ኒው ጄርሲ ዝነበረ ክሪስ ክሪስቲ ንጉጅለ ሕጊ እቲ ፕሬዝደንት "ሃገራዊ ሕፍረት" ክብል ነቒፉዎ።
ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ከቢድ ስዕረት ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ዳይና ላዕለዋይ ዳኛ እታ ግዝኣት፡ ጠበቃታት ዶናልድ ትራምፕ እቶም ኣብታ ግዝኣት ብሚልዮንት ዝቁጸሩ ብፖስት ዝተወሃቡ ድምጽታት ወግዓውያን ስለ ዘይኮኑ ካብ ቁጽሪ ይውጽኡ ኢሎም ዘቕረብዎ ክሲ ዘይቕቡል ብምባል ውድቂ ገይርዎ እዩ።
ዳይና ማቲው ብራን ቖጸራ ድምጺ ቅኑዕ ኣይነበረን ንዝብል ክሲ ጉጅለ ትራምፕ፡ 'መርትዖ ዘይብሉን ግምታዊ ክስታትን' ክብል ነጺጉዎ።
እዚ፡ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ ሕጹይ ዴሞክራት ተመራጺ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ከም ዝተዓወተ ሎሚ መዓልቲ ወግዓዊ ክትገብር ዕድል ዝህብ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣመሓዳሪ ኒው ጄርሲ ዝነበረ ክሪስቲ ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ "ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ጉጅለ ሕጊ ዝኽተሎ መስርሕ ሃገራዊ ሕፍረት እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ "ኣነ ደጋፊ እቲ ፕሬዝደንት ነይረ፤ ክልተ ሻብ እውን ንዕኡ መሪጸ። ግን ድማ መረጻታት ናይ ባዕሎም ሳዕቤን ኣለዎም። ስለ ዝኾነ ኣብዚ ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክነምስል ኣይንኽእልን" ብምባል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብ 2016 ትራምፕ ሕጹይ ፕሬዝደንት ኮይኑ ንክቐርብ ዝገበረ ፈላማይ ኣመሓዳሪ'ዩ።
ብሰንበት ካልኦት ኣባላት ሪፐብሊካን'ውን ትራምፕ ስዕረቱ ንክኣምን ይሓቱ ነይሮም።
ጆ ባይደን ልዕሊ 80 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።
ጆ ባይደን፡ 306 ድምጺ ኢሌክቶራል ክረክብ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ግን 232 ድምጺ ኢሌክቶራል እዩ ረኺቡ።
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዝምረጽ ግን፡ 270 ድምጺ ኢሎክቶራል ክረክብ ኣለዎ።
ጆ ባይደን፡ እቲ ናይ ስግግር እዋን ንምቕባል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክገብር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ጽባሕ ሰሉስ ናይ መጀመርታ ሹመት ካቢንኡ ወግዓዊ ክገብር እዩ።
ሚድያታት ኣመሪካ ከም ዝበሉዎ ድማ፡ ወዲ 58 ዓመት ዲፕሎማት ኣመሪካ ዝነበረ ኣንቶኒ ብሊከን ሚኒስትር ጉዳያ ወጻኢ ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ።
ብሊከን ንተመራጺ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ናይ ነዊሕ እዋን ተሓጋጋዚ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ'ውን ብርክት ዝበሉ ዕማታት ይሰርሕ ነይሩ።
ሮን ክላይን ድማ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ኮይኑ።
"ብልክዕ ዶናልድ ትራምፕ ንዴሞክራሲ ዝነጽጎ ዝነበረ፡ ብዙሓት ኣመሪካውያን ንፕሬዝደንትነት ትራምፕ ነጺጎምዎ ኣለው" ክብል ንኤቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።