እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ስለምንታይ ዘንጊዑ?
ኣብዚ ሰዓት፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2020 ዝተዓወተ ሕጹይ ተወዳዳሪ ክንፈልጥ ነይሩና ትብሉ ትህልው።
ትጽቢትኩም ምኽንያታዊ እዩ።
ስለዚ ቀጻሊ ፕሬዝደንት መን'ዩ?
ኩለን ግዝኣታት፡ ነቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ዝሃብኦ ድምጺ ስለ ዘይተፈልጠ፡ ቀጻሊ ፕሬዝደንት መን ምዃኑ ገና ኣይንፈልጥን።
እዚ መረጻ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይካየድ ብምህላዩ፡ ብዙሓት ብፖስታ ዝወሃቡ ድምጺታት ኣለው።
ነዚኦም ንምቑጻር ድማ መዓልታት ክወስድ ይኽእል።
ካልእ ኣብ ዙርያ እቲ መረጻ ዝለዓሉ ናይ ሕጊ ጉዳያት እንተሃልዮም ድማ፡ ሰሙናት'ውን ክወስድ ይኽእል።
ብሱሩ ኣፋፍኖት'ውን ድዩ ዘይተረኸበ?
ኣብ ኣመሪካ ፕሬዝደንት ንምዃን ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ክትዕወት ኣለካ።
ስለዚ ኣብታ ንውጽኢት እቲ መረጻ እትውስን ግዝኣት እንተተዓዊትካ፡ ተዓዋቲ ትኸውን ኣለኻ ማለት እዩ።
እዚ ነብራስካን ማኒን ግን ዝሓወሰ ኣይኮነን። ስለዚ 270 ድምጺ ዝረኸበ ፕሬዝደንት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ።
በሉ ኣብተን ግዝኣታት ዘሎ ምዕባለ ንርኣይ
Florida: ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ከም ዝተዓወተ ገሊጹ እዩ።
ኣሪዞና: እዛ ግዝኣት ካብ 1996 ዓ.ም (ኣቆጻጻእራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ንዴሞክራት መሪጻ ኣይትፈልጥን። ሕጂ ግን ባይደን ድምጺ ዝረክብ ይመስል።
ዊስኮንሲንን ፔንሲልቫኒያን፡ እዘን ግዝኣታት ብፖስታ ዝመጽአን ድምጺ ገና ምቑጻር ኣይጀመራን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ጽቡቕ ድምጺ ይረክብ እዩ ዘሎ።
ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ድማ ኣብተን ፈተንቲ ግዝኣታት ኣይተዓወተን።
ጆ ባይደን ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ "ክንዕወት ኢና" ብምባል ነቲ ውጽኢት ብትዕግስቲ ምጽባይ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ እቲ ድምጺ ገና ይቑጸር ስለ ዘሎ መረጋገጺ የብልናን ኢሉ እዩ።
ስለዚ?
ንመዓልታት ውጽኢት እቲ መረጻ ዘይክንፈልጥ ንኽእል፡ ኣብ ከም ሚቺጋን፣ ዊስኮንሲንን ፔንሲልቫኒያን መረጽቲ ድምጾም ብፖስታ ስለ ዝሃቡ ኣብ ምቑጻር ግዜ ክወስዳ ይኽእላ።
ሰብ ሞያ ሕጊ ጣልቃ ክኣትው ይኽእሉ፡ ዶናልድ ትራምፕ ውጽኢት እቲ መረጻ ዝተጸጋግዐ እንተኾይኑ ናብ ሕጊ ክኸይድ እየ ኢሉ'ዩ። እዚ ማለት ተዓዋቲ እቲ መረጻ ኣብ ምፍላጥ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል።
ዘይምርግጋእ ክህሉ ይኽእል?፡ ብርግጽ ዘይምርግጋእ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግን ድማ መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ነቲ ኩነታት ኣቐዲሞም ተረዲኦምዎ ስለ ዝጸንሑ ዝኸብድ ኣይኸውንን።