ኢትዮጵያ፡ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ንዝሃቦ ርኢይቶ ፊርማ ከተተኣኻኽብ’ያ

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ግብጺ ንግድብ ሕዳሰ ክተዕንዎ ትኽእል እያ" ዝብል ርኢይቶ ብምሃቡ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዎ ናይ ተቓውሞ ፊርማ ከተተኣኻኽብ እያ።

እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ግዮን ሆቴል ዝጅመር ስነ ስርዓት፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ክጅመር እዩ።

ብቐንዱ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ህንጸት እቲ ግድብ ዘተሓባብሮ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሚዩኒኬሽንን ሚዲያን ርክብ ህዝብን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ሃይሉ ኣብርሃም፡ እቲ ፊርማ ብኢንተርነት ዝካየድ ኮይኑ፡ 'ግብጺ ነቲ ግድብ ክተዕንዎ ትኽእል እያ' ንዝብል ርኢይቶ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝወሃብ ምላሽ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ተቓውሞ ፊርማ፡ ኢትዮጵያውያን ብፊርማኦም ንዘረባ ፕሬዝደንት ትራምፕ ንክቃወሙዎ ጻውዒት ከም ዝቐረበሎምን ዝምልከተን ሃገራት ድማ ትኹረት ንክገብራሉ ዝዓለመን ምዃኑ እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ ኣስታት 150 ሽሕ ፊርማ ንምትእኽኻብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ዘረባ ፕሬዝደንት ትራምፕ "ሓላፍነት ዝጎደሎን ብግልጺ ንሓደ ወገን ዘሻረወን ኮይኑ ሉኡላውነት ኢትዮጵያ ዝትንክፍ'ዩ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያውያን ኣቖጢዑ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ዞባና ዘሎ ሰላም ዝህውኽ እዩ" ኢሉ ኣቶ ሃይሉ።

ግብጺ፡ ነቲ ብ1959 ዓ.ም ዝተፈረመን መብዛሕትኡ ብጽሒት ማይ ንዓኣ ዝህብ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ውዑል ምርኩስ ብምግባር፡ ማይ ኣባይ ምሉእ ንምሉእ ክጥቀም ታሪኻዊ መሰል ኣሎኒ ክትብል እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ንሓበራዊ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ምዃኑ እያ ትምጉት።

እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ 77 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ናይል ንእተበርክት ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ብጽሒት ዘይህብን ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰለይ ዝዳፋእን እዩ ብምባል እውን ትካታዕ።

በዚ ምኽንያት፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት ክዛተያ ዝጸንሓ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ክሳብ ሎሚ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሞንጎኝነት ኣመሪካ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን ዝጀመርኦ ዘተ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ምምእላእን ምፍናውን ማይ ግድብ ኣባይ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰማማዕ ኣይክኣለትን።

እቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ'ውን ናብ ግብጺ ዘዘንበለ'ዩ እናተባህለ ክንቀፍ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ብመርገጺ ትራምፕ ከም ዝተቖጥዑ ዝገልጹ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት የካይዱ ኣለው።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝሃቦ ርኢይቶ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብዙሓት'ውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያ ቁጥዕኦም ይገልጹ ኣለው። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን'ውን ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ይሰርሑ ከም ዘለው ኣቶ ሃይሉ ተዛሪቡ።