እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ህዳሰ፡ ርእይቶ ትራምፕ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ዘተ 'ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይክህልዎን'ዩ'
ናይ'ዚ እዋን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝርርብ ግድብ ህዳሰ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ራማፎዛ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምስ መራሕቲ ናይተን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ዘለዋ ሃገራት ድሕሪ ዝተገብረ ሰፊሕ ልዝብ" እቲ ዘተ ክቕጽል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቡ።
እተን ሃገራት፡ ኣብ መንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን እምነት ብምሕዳረን ዝንኣደ ራማፎዛ፡ መርኣያ ናይቲ "ጸገም ኣፍሪቃ ፍታሕ ብኣፍሪቃውያን" ዝብል መትከል ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ራምፕ፡ ግብጺ ነቲ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ግድብ ህዳሰ "ከተዕንዎ ትኽእል'ያ" ምባሉ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።
"እተን ሃገራት ኣብቶም ተሪፎም ዘለዉ፡ ቴክኒካውን ሕጋውን ዝርከብዎም ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ምትእምማን ከምዘለዎ" ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሃቦ መግለጺ ተስፍኡ ገሊጹ'ሎ።
ኢትዮጵያ ነቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ እንተ ዘይተቐቢላቶ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ክህባ ወሲኑ ዝነበረ ልዕሊ 250 ሚልዮን ደገፍ ደው ከምዘበንሎ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ።
እቲ መግለጺታትን ምፍርራሓትን፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን፡ እኹል ሓበሬታ ካብ ዘይምርካብን ዝብገስ'ዩ ክብሉ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ግብረመልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ጽባሕ ዝጅመር ዘተ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይክህልዎን'ዩ ኢሉ።
"እቲ ዘተ ርእሱ ዝኸኣለ'ዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝደራደራሉ ጉዳይ'ዩ። ነቲ ፕረዚደንት ኣይምልከቶን'ዩ።
"ዝምልከቶ ነገር እንተልዩ፡ ንክንሰማማዕ ምድፍፋእ፡ ምድጋፍን ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ነገር ምቕባልን ጥራይ እምበር፡ ካብኡ ወጻኢ እዚ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ስለዝኾነ ናይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ጉዳይ ክኸውን ኣይክእልን" ይብል ኣምባሳደር ዲና።
ኣብ ለካቲት 2020፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምስሓባ ንኣመሪካ ባህ ኣየበላን።
ሰለስቲአን ሃገራት፡ እቲ ግድብ ብኸመይን መዓስን ማይ ይምላእ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሰፊሕ ፍልልያት ከምዘለወን ይፍለጥ።
ድሌት ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝካየድ ዘተ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ከተኩር'ኳ እንተኾነ፡ ግብጺ ግን ብዛዕባ ምክፍፋል መጠን ማይ ክኸውን'ያ ትምጉት።