ሬሳ ናይ ሓደ ኣብ 'ቪክቶርያ ፎልስ' ዝጸደፈ በጻሒ ንምውጻእ ሓገዝ ከምዘድሊ ተገሊጹ

'ቪክቶርያ ፎልስ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብ 7 ኣዝዮም ኣደነቕቲ ተፈጥሮኣዊ መስሕብ ዓለም ዝኾነ 'ቪክቶርያ ፎልስ'

መንግስቲ ዚምባብወ፡ ሬሳ ናይቲ ኣብቲ ፍሉጥ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾነ 'ቪክቶርያ ፎልስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንጫዕጫዕታ ዝጸደፈ በጻሒ ንምውጻእ ደገፍ ከምዘድልዮ ገሊጹ።

ሄራልድ ዝተባህለ መንግስታዊ ጋዜጣ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ ምዕቡል መሳርሕታት ዘለዎም ናይ ብሕቲ ትካላት ኣብ ምውጻእ እቲ ሬሳ ክተሓባበሩ ሰብመዚ ጸዊዖም ኣለዉ።

ነቲ ሬሳ ንምውጽኡ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ይቕጽል'ኳ እንተሎ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዘድሊ መሳርሒ ግና ዛጊት ከምዘይሰመረ ሚኒስተር ቱሪዝም እታ ሃገር ማንጋሊሶ ንድሎቩ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ እቲ ዝድለ ዘሎ መሳርሒ ዘለዎ ሓደ ናይ ዕደና ትካል ጥራይ ከምዝፈልጥ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንስድራቤት እቲ ሬሳኡ ኣብቲ ሩባ ዝርከብ ግዳይ ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ።

እዚ መንነቱ ዘይተገልጸ በጻሒ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብቲ ገማግም ናይቲ መንጫዕጫዕታ ተራእዩ ከምዝነበረ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ስእልታት እናወሰደ ኸሎ፡ ሸተት ኢሉ ከምዝጸደፈ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተዛሪቦም።

ሚኒስተር ንደሎቩ እቲ ሓደጋ "ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"ከምዚ ዝበለ ዘይተደልየ ሓደጋ ደጊሙ ከይፍጸም ንምክልኻል፡ ኣድላዪ ዝኾነ ጥንቃቐታት ክግበር'ዩ" ክብል ድማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዝተዛረበ ጋዜጣ ሄራልድ ጠቒሱ።

እቲ ሬሳ ዘለወሉ ቦታ ሓዲግ ብምዃኑ ነቲ ንምውጽኡ ዝግበር ጻዕርታት ከምዝሓላለኾ'ውን እቲ ሚኒስተር ይገልጽ።

'ቪክቶርያ ፎልስ' ኣብቲ ንዚምባብወን ዛምቢያን ዝፈላሊ ፈለግ ዛምቤዚ ዝርከብ ሓደ ካብ 7 ኣዝዮም ኣደነቕቲ ተፈጥሮኣዊ መስሕብ ዓለም ምዃኑ ይጥቀስ።