እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት የመን: መንግስቲ የመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ኣብ ዝኣተወሉ ሓያል ነትጒ ኣጋጢሙ
ንመንግስቲ የመን ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ዓደን ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ ሓያል ነትጒ ኣጋጢሙ።
በቲ ነትጒ ብውሕዱ 5 ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝቖሰሉን፡ ምንጭታት ጸጥታ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።
እቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ማዒን ዓብደልማሊክን ኣባላት ካቢንኡን ግን ብዘይጉድኣት ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጺኦም ናብ ፕረዚደንታዊ ቤተመንግስቲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር፡ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተፈጸመ "ናይ ፈራሓት ሽበራዊ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ተዛሪቡ።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ሓድሽ ካቢነ፡ ነቲ ኣ ብመንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ዓብደረቦ ማንሱር ሓዲን፡ ደቡባዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምትእኽካብ ተነጸልቲ ደቡብ የመናውያንን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ፍልልይ ንምሕዋይ ዝቖመ'ዩ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብቲ ኣንጻር እቶም ንርእሰከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ዝካየድ ቃልሲ ምሕዝነት ዘለዎም'ኳ እንተኾኑ፡ ንሓድሕዶም ክጋጨዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቲ ብዙሓት ሃገራት ኢደን ዘእተዋሉ ኲናት የመን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልዋላዉ ዘስዓበ ምዃኑ ይፍለጥ። ብዓሰርተታት ኣሽሓትዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን። ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ'ታ ሃገር ድማ፡ ንሕሰምን ጥምየትን ተቓሊዑ።
ኣመዓባብላ ኲናት የመን
ኣብ 2011 ብቀውዒ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ኣብያ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስልጣኑ ንዓብዱ ሮቦ መንሱር ኣብ ምርኽኻብ ብዘጋጠመ ዉድቀት ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ንየመን ናብ ኲናት ኣጥሒሉዋ።
ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣልቃዒዳ ዘውረዶ መጥቃዕታትን ብልሽውናን ስእነት ስራሕን ሕጽረት ምግብን እታ ሃገር ንምቅላስ ጻዕሪ ገይሩ።
ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ኣንጻር መንግስቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሖቲ፡ ነቲ ዝነበረ ድኽመት መንግስቲ ተጠቒሙ ወሰንቲ ዞባታት ሒዙ።
ኣብ መስከረም 2014 ከኣ መንገድታት ብምዕጻዉ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ጥሪ 2015 ከኣ ንሚስተር ሓዲን ካቢኔ ሚኒስትራቱን እሱራት ገዛ ገይሩዎም።
ድሕሪ ወርሒ ከኣ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ዓደን ሃዲሙ። ሑቲን እሙናት ሓይልታት ጸጥታ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ነታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ብምቁጽጻር ንሓዲ ሃገር ለቒቑ ከምዝወጽእ ገይሮሞ።
ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንምምላስን፡ ብኢራን ይድገፉ እዮም ንዝብሎም ምሊሻ ሖቲን ንምድኻም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸፊቶም።
እዚ ልፍንታዊ ኪዳን ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ፈረንሳይን ንዋታዊ ሓገዝን ስለያዊ ሓበሬታን ይረክብ ምንባሩ ይግለጽ።