ኲናት የመን፡ ጥርጣረታት ዘለዓዓለ ምንስሓብ ሑቲ ካብ ሑደይዳ

ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ካብ ስትራተጅካዊት ወደብ ሑደይዳ ኣንሳሒቦም፤ እዚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምዃኑ ይግለጽ።

ሓይልታት ሑቲን መንግስትን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምምሕልላፍ ምእንቲ ክከኣል ነታ ወደብ ክገድፍዋ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ሓይልታት ሑቲ ኣቕሑቶም እናጠርነፉ ዘርእይ ስእሊ ብሕቡራት ሃገራት እኳ እንተተዘርግሐ፡ መንግስቲ የመን ግና "ተንኮል" ምዃኑ ይኸስስ።

ኣብ የመን ንኣርባዕተ ዓመታት ብዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድ፡ ብውሕዱ 6,800 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ካልኦት 10,700 ዝኾኑ ከም ዝቖሰሉን ብዙሓት ኣሽሓት ድማ ሕጽረት መግቢ ብዘስዓቦ ሕማማት ከም ዝሞቱን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብዛዕባ እቲ ምዝላቕ እንታይ ይበሃል ኣሎ?

እቲ ምዝላቕ ተጀሚሩ ምህላው፡ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ እቲ ኣብ የመን ዝርከብ ፍሉይ ልኡኹ እዩ ከረጋግጾ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፡ ማርቲን ግሪፊትስ፡ "መንግስቲ የመን ነዚ ከም ዝቕበሎ ንምግባር ብዙሕ ስራሕ'ዩ ዝጽበየና" ድሕሪ ምባል፡ ወላ'ኳ ተኣፋፊ ኩነታት እንተኾነ፡ ትስፍው ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ክልቲኡ ወገናት ዘይምትእምማን ኣሎ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ የመን ዝኾነ ኣል-ሓሰን ጣህር፡ ሓይልታት ሑቲ፡ ናይ ሚሊሻታት ሑትን ናይ ፖሊስን ክዳውንቲ ብምልባስ ይኸስሶም።

"እዚ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምትላል ዝገብርዎ እዩ" ክብል ድማ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ምንቅስቓስ ሑቲ ግና፡ እቲ ዝወሰዶ በይንኣዊ ናይ ምዝላቕ ስጉምቲ፡ መርኣያ ናይቲ ንስምምዕ ሑደይዳን ንሰላምን ዘለዎም ክብሪ ምዃኑ ይገልጽ። ኩሎም ወገናት በቲ ስምምዕ ክቕየዱ፡ ሕቡራት ሃገራት ጸቕጢ ክገብር ድማ ጸዊዑ።

ኣገዳስነት ሑደይዳ

ሑደይዳ፡ ክልተ ሲሶ ህዝቢ የመን ዝግልገለሉ ኣገዳሲ ወደብ እዩ። ምዕጻው እዚ ወደብ ነታ ሃገር ኣዝዩ ጸሊይዋ ጸኒሑ።

ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ሰራዊቶም ካብ ከተማ ሑደይዳ ከምኡውን ካብ ወደባት ሳሊፍን ራስ ዒሳን ክስሕቡ ተሰማሚዖም።

ምዝላቕ ሓይልታት ሑቲ እምበኣር ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተገብረ ፈላሚ ስጉምቲ እዩ ክኸውን።

ኣብቲ ወደብ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ን3.7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደ ወርሒ ዝምግብ እኽሊ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት፡ ኽልቲኦም ወገናት መገዲ ክኸፍትሉ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብቲ መኽዘን ክበጽሑ ኣይከኣሉን፤ እቲ እኽሊ'ውን ናይ ምብልሻው ሓደጋ ከም ዘንጸላለዎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

ሓይልታት ሑቲ ነቲ ወደብ ኣጽዋር ካብ ኢራን ንምእታው ከም ዝጥቀምሉ ዝገልጹ ሓይልታት መንግስቲ፡ ነቲ ወደብ ንምቁጽጻር ክልተ ግዜ ፈቲኖም ነይሮም። እቲ ጉጅለ'ን መንግስቲ ኢራንን ግና፡ ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።

ጠንቂ ኲናት የመን

ኣብ እዋን ቀውዒ ዓረብ (2011) ፕረዚደንት የመን ዓሊ ኣብደላ ሳልሕ ካብ ስልጣን ክእለይ ተገዲዱ። እቲ መንበር ናብ ምኽትሉ ኣብዱራሕማን መንሱር ሓዲ ክሰጋገር እኳ እንተነበሮ ብግቡእ ክኸይድ ግና ኣይከኣለን።

እቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ሳልሕ ዝቃለስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ንድኻም ናይቲ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምምዝማዝ፡ ደገፍቶም ብብዝሒ ንዝርከብሉ ዞባ ሰዓዳን ከባቢኡን ተቖጻጸረ።

ብዙሓት የመናውያን ንምንቅስቓስ ሑቲ ብምድጋፎም ኣብ መወዳእታ 2014ን መጀመርታ 2015 እቶም ዕጡቓት ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጸርዋ። ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ክሃድም ተገደደ።

ብዓወታት ናይዚ ምስ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝገልጽኦ ጉጅለ ዝተሰናበዳ ስዑድ ዓረብ እትመርሐን ሸሞንተ ሃገራት ዓረብ ድማ፡ ነቲ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኣብ የመን ጣልቃ ምእታው ጀመራ።

ዛጊት ዝተፈተኑ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት፡ ነቲ ነጻ ዝተለቀቐ ከባብታት መን ይቆጻጸሮ ብዝብልን ካልእን ምኽንያታት ኣይተዓወቱን፡ ናይ ምንስሓብ ስምምዓት ኣይተተግበሩን ጸኒሖም።