ኲናት የመን፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ የመን ገበን ዝፈጸሙ ኣባላቱ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ጀሚሩ

ኣብ የመን ዝዋጋእ ዘሎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ዓለማዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሱ ወታደራቱ ንዝቐረበ ክስታት ምርኣይ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ልፍንቲ ኮሎኔል ቱርኪ ኣል-ማሊኪ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ክሲታት ፍርዲ ምስተውሃበ ዕላዊ ክግበር እዩ።

እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ገበን ኲናት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጹ ላዕለዎት ሰብሞያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ግልጽነት እቲ ነቶም ክሲታት ክዳኒ ተጣይሱ ዘሎ ቤት ፍርዲ 'ውን ጥርጣረ ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ኮሎኔል ኣል-ማሊኪ ግን እቲ ከይዲ (መስርሕ) ፍርዲ፡ ዓለምለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊታት ኣባል ሃገራት እቲ ለልፍንትን መሰረት ብምግባር ከምዝካየድን ብምግላጽ፡ ሰብሞያ መርመራ ብህብዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ከይዲ ፍርዲ ከምዝጀመሩ ተዛሪቡ።

ኣብ 2015 ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ ንዝሰፍሐ ምዕራባዊ ክፋል የመን ብምቁጽጻር፡ ፕረዚደንት ማንሶር ሓዲ ካብታ ሃገር ክወጽእ ምስገበሩ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ክትኣቱ ክኢላ እያ።

ነቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ዝበሃሉ ሓይልታት ሑቲ ብምምካት፡ መንግስቲ ማንሶር ሓዲ ናብ ርእሰከተማ ሰንዓ ንምምላስ ናብታ ሃገር ኢደን ዘእተዋ፤ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራትን ድማ እታ የመን ናብ ዓውደ ኲናት ክትቅየር ጌረን።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መስከረም 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጽብጻብ፡ ብውሑድ 7500 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን፡ ንሞት መብዛሕተኦም ድማ እቲ በቲ ስዑዲ እትመርሖ ወታሃደራዊ ኪዳን ዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ ምዃኑን ኣረጋጊጹ እዩ።

ካልእ ኣጻራዪ ጉጅለ ድማ፡ በቲ ኲናት 12 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ዝርከቡዎም ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ዘ ጋርድያን ዝተባህለ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር እቲ ልፍንቲ፡ በቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ኣብስ ኣብ እትበሃል ቁሸት ዘካየዶ መጥቃዕቲ 19 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ፣ ኣብ ሚያዝያ 2018 ባኒ ቃይስ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ሓደ መርዓ ዝነበሩ 20 ሰባት ዝቐተለን፡ ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ ዳህያን ዝበሃል ከባቢ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ተፈጺሙ ብውሑድ 29 ህጻናት ዝቐተለን ደብዳባት ነፈርቲ፡ ተኸሲሶም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ ኪኢላታቱ ብምጥቃስ፡ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ደገፍቲ መንግስትን ኣባላት እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንትን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ገሊጹ ነይሩ'ዩ።