ኮቪድ-19 መጠን ልቀት ካርበንዳይ ኦክሳይድ ንክንኪ ምኽንያት ኮይኑ፡ ተመራመርቲ

"ኮቪድ 19 መጠን ልቀት ካርቦንዳይኦክሳ ንኽንኪ ምኽንያት ኮይኑ" ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት፡ ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ልቀት ካርቦንዳይኦክሳይድ ብዝለዓለ መጠን ክንኪ ከም ዝገበሩ ተመራመርቲ ገሊጾም።

መጽናዕቲ እዞም ተመራመርቲ፡ እቲ ልቀት ካርበን ብ7 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለ የመላኽት።

ኣብ ፈረንሳን ብርጣንያን ብዝለዓለ መጠን ክጎድል እንከሎ፡ ናይዚ ምኽንያት ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ዕጽዋ ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቻይና እቲ ልቀት ካርበን ክውስኽ ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣለው።

ከም ጸብጻብ ጉጅለ ካርቦን ዓለም እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ዓመት 2.4 ቢልየን ቶን ልቀት ካርበን እዩ ነክዩ።

እዚ፡ ዓለማዊ ቑጠባዊ ዝሕታለ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝነበረ ምጉዳል ልቀት ካርበን ፍርቂ ቢሊየን ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከኣ ሓደ ቢሊየን ቶን ጎዲሉ ነይሩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ልቀት ካርበን ብኣስታት 12 ሚኢታዊት እንትጎድል፣ ፈረንሳ 15 ሚኢታዊት፣ ዓዲ ኢንግሊዝ 13 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኢስት ኢግል ኮሪኔ ሊ ኩሬ ሓቢራ።

“እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ መብዛሕትኡ ልቀት ካርበን እዘን ሃገራት ካብ ዓውዲ መጓዓዝያ ስለ ዝምንጪ’ዩ፤ እቲ ካብ ኢንዳስትርን ካልእን ዝወጽእ ብተዛማዲ ትሑት እዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ፡ መብዛሕትኡ ኤሌክትሪክ ካብ ሓይሊ ኒኩሌር ዝርከብ ምዃኑ ምውሳድ ይከኣል። ስለዚ ኣስታት 40 ሚኢታዊት ልቀት ካርበን እዛ ሃገር ካብ ዓውዲ መጓዓዝያ’ዩ” ኢላ።

ዓውዲ ኣቪየሽን፡ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ልቀት ካርበን እዚ ዓውዲ 40 ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝኸውን ይግመት።

ኣብ 2021፡ ልቀት ካርበን ክውስኽ ይኽእል’ዩ ዝብሉ እዞም ተመራመርቲ፡ ነዚ ንምክልኻል ብእግሪ ናይ ምንቅስቓስን ብሽክሌታ ናይ ምጥቃምን ዝንባለታት ክዓብዩ ከምኡ’ውን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቀልጢፈን ኣብ ረብሓ ክውዕላ ክግበር ይምዕዱ።

እዚ ኣብ መጽሄት አርዝ ሲስተም ሳይንስ ዳታ ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ዋላ’ውን ምንካይ ልቀት ካርበን እንተተራእየ ሕጂ’ውን 39 ቢሊየን ቶን ዝኸውን ዝተኣከበ ካርበንዳይ ኦክሳይ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ቀጻሊ መጠን እቲ ልቀት ንክውስኽ ስግኣት ከም ዝኸውን ጠቒሱ።

ኮሮና