ወተሃደራቱ ናብ ዓውደ-ውግእ ዝልእኽ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም-ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ዝተቐበለሉ መድረኽ፡ ኲናት መሪር ምዃኑ ብምሕባር "ናይ ጨካናትን ኣረመኔታታን" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣዊጁ ይርከብ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብሎ ገዛኢ ውድብ ትግራይ ህወሓት ሰጉምቲ ንምውሳድ ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ወተሃደራቱ እናተዋግኡ ናብ ትግራይ ገስጊሶም።
ህወሓት ን25 ዓመታት ብፖለቲካዊ ዕብለላ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን፡ ኣብዪ እቲ ዝነበረ መጽቀጥትን ብልሽውናን ከብቅዕ ኣብ ምግባር ተስፋ ስለዝተገበረሉ ሰፊሕ ደገፍ ብምርካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኑ።
እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደገፍ እንተረኸበ'ኳ፡ እቲ "ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ" ዝበሎ ስጉምቲ ግን ንሱ ሕጹይ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ ክቐርብ ካብ ሞንጎ ዝገበሩ ሰባት ሓደ ንዝኾነ ኣብ እንግሊዝ ዝነበር ሙሁር ዒላማ ብምግባሩ ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ።
ኣብ እንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ኬለ መምህር ዝኾነ ኣወል ኣሎ " ዓለምለኸ ሚድያታት ተጠቒምካ ሃገር ንምዕናው ትሰርሕ ኣለኻ" ብዝብል ፖሊስ ከምዝኸሰሶ ካብ ሃገራዊ ቴሌቭዥን ምስምዑ ይዛረብ።
ዝጽሕፎም ዓንቀጻትን ምስ ከም ቢቢሲን ኣልጀዚራን ዘካይዶም ቃለመሕትትን መንቀሊ ክስታቱ ከምዝኾኑ ድማ የረድእ።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኣብ ቀይዲ ምውዓል ዝበሃል ዝፈልጦ ነገር የለን፤ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሸይ ግን ከቢድ ሓደጋ ክህልዎ'ዩ" ክብል የረድእ።
ናይ ኣብዪ ስርዓት ኮነ እቲ ሕሉፍ ስርዓት ንዘይምስምማዕን ተቓውሞን ዝኣልዩሉ መገዲ ኣፈላላይ የብሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ስርዓት ንዝቃወሙ ከምኡ'ውን ነቓፊ ዝኾነ ርእይቶ ንዘለዎም ውልቀሰባት ስቕ ንምባል ሕጋዊ ስርዓት ከም ሽፋን ምጥቃምዝተለመደ እዩ" ይብል ኣወል።
"ምልከ-ውህዳን ትግራይ"
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም እውን ካብቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ክስታት ኣይተረፈን።
ኣብ ውድብ ህወሓት ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ብምንባሩ፤ ነቲ ፓርቲ ዝኸውን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ተሳትፎ ኣለዎ ብዝብል ካብ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ክሲ ቀሪቡሉ'ዩ።
ነቲ ክሲ ዝነጸገ ዶክተር ቴድሮስ "ብኹነታት ኢትዮጵያ ሓዚነ፤ ኩሎም ኣካላት ንሰላም ክሰርሑ ከምኡ ድማ ድሕንነት ሲቪል ዜጋታት ከውሕሱን ኣብ ቀረብ ሕክምናን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክሰርሑን እጸውዕ" ምባሉ ይዝከር።
ንመርገጺ መንግስቲ ዝድግፍ ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ምንይችል መሰረት ብወገኑ፡ እቶም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ "ምልከ-ውህዳን" ዝኾነ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ጥራይ ዒላማ ከምዝኾኑ ይገልጽ።
ኣወል ኣሎ ብወገኑ፤ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ነቲ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ምንጻጉ እምበር መን ቀዲሙ ተኹሲ ወለዐ ዝብል ቀንዲ ጉዳይ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ብትዕግስትን ተጻዋርነትን ዝመርሕን ንሰላምን ሽምግልናን ዕድል ዝህብን መንግስቲ እዩ ዘድልይ። ኮይኑ ግን ክልቲኦም ንኲናት'ዮም ዝዳለዉ ነይሮም" ክብል ድማ የረድእ።
"ኣብዪ ንህወሓት ካብ ካቤኔ ኣልዩ። ብድሕሪኡ ከኣ መረጻ ኣናዊሑ። ሽዑ ህወሓት ክልላዊ መረጻ ኣካይዱ። ንኣብዪ'ውን [ከም ቀዳማይ ሚንስትር] ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም። ንሱ'ውን ነዓኣቶም ኣፍልጦ ከምዘይህብ ወግዓዊ ገይሩ። ናብ ኲናት ዘምርሖም ድማ እዚ እዩ” ይብል ኣወል።
መንግስቲ እትዮጵያ ከምዝብሎ እቲ ምርጫ ክናዋሕ ዝተገበረሉ ምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ። እንተኾነ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጠቐመሉ ምኽንያት’ዩ ብዝብል ይነቕፎ።
“ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት እሱራት ነይሮም። ኣብዚ ሕዚ ከኣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ኣዝዩ ክውስኽ ይኽእል’ዩ” ክብል ብንጽጽር የቐምጥ ኣወል።
ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣሜሪካ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፓይቶን ክኖፍ’ውን ተመሳሳሊ ሐሳብ ኣለዎ። “እቲ ፖለቲካዊ ባይታ መሊሱ ተዓጽዩ’ሎ። ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ንኽመጽእ ዘገልገለ ለማ መገርሳ’ውን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ይርከብ” ብምባል ነቲ ዘሎ ኩነታት ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዩ - ከም ሓድሽ ሃጸይ?
ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ምንይችል ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ጎንጽታት ቀንዲ መንቀሊኡ፤ እቲ ህወሓት ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ ዘተኣታተዎ “ንዘርኢ መሰረት ዝገብር ፌደራላዊ” ስርዓት እዩ።
“እቲ ዘርኣዊ/ዓሌታዊ ፌደራላውነት ጉጅለታት ነናይ በዓልቶም መሬት ከምዘለዎም ክሓስቡ ገይሩ። ካብ ካልእ ዘርኢ ዝመጻእኻ እንተኾይንካ ኣብኡ ቦታ ክህልወካ ኣየፍቅዱልካን። ይሰጉኻ፣ ትቃጸልን ትቕተልን” ይብል ንሱ።
ብኻል ገጽ ኣብዪ ነቲ ኣብ ዘርኢ/ዓሌት ዝተመስረተ ፌደራለዊ ስርዓት ክእለይ ብምግባር “ሃጸያዊ ስርዓት” ንምምላስ ከምዝሰርሕ ይንቀፍ።
ሃጸያውነት ድማ ዋላ’ኳ ብዙሓት ተወለድቲ ኣምሓራ እንተዘይተቐበልዎ፤ ሚኒሊክን ሃይለስላሰን ማሕበረሰባት ናብ ናይ ኣምሓራ ባህሊ “ክወሓጡ ወይ ክመስሉ” ዘገድዱሉ ዝነበረ ኣካይዳ ምንባሩ ይግለጽ።
“ናይ ኣብዪ ኣካይዳ ብዝያዳ ናብቲ ባህላዊ ቅርጺ ስርዓት ይመሳሰል” ይብል ኣባል ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝርከብ ትካል መጽናዕታትን ጉዳያትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋሲል ሮቤል።
ንሱ “ንሚኒሊክ ካልኣይ ብጣዕሚ ይንእድ። ንቤተመንግስቱ’ውን መሊሱ ኣሕዲሱ’ሎ። ዳግም ንኢትዮጵያ ዓባይ ናይ ምግባር ድልየት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ እቲ ንሱ ከም ጅግና ዝቖጽሮ ሃጸይ ብኻልኦት ከም ብባርነት ዝገዝእን ወራርን እዩ ዝቑጸር” ብምባል የረድእ።
ሽልማት ኖቤል “ብኽልተ ገጹ ዝተሰሓለ ሰይፊ”
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ንዓመታት ኣብ ኩነተ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘምጽኦ ሰላም’ዩ ናብ ሽልማት ኖቤል ሰላም በቒዑ።
እቲ ሽልማት “ኣብ ዘይእዋኑ” ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝተወሃቦ ዝገልጽ ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣሜሪካ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፓይቶን ክኖፍ “እቲ ዶባት ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ተኸፊቱ ዳግም ድማ ተዓጽዩ። ኣብቲ ውዕሊ ሰላም እውን ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሰነድ የለን። ኣብ ሞንጎ [ኣብዪን ኢሳይያስን] ዝተገበረ ውልቃዊ ምርድዳእ ነይሩ እዩ። ንሱ ከኣ ዘላቒ ሰላም ዝረጋገጸሉ መገዲ ኣይኮነን” ይብል።
ካልእ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበር ተንታኒ ኣሌክስ ደ ዋል፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣብዪን ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝተበጽሐ ስምምዕ፤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውድብ ህወሓት ንምዕላው ዝተወሃበ “ኪዳን ውሕስና” ከምዝመስል ይገልጽ።
“ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዝለዓለ እጃም’ዩ ነይርዋ። ኣስታት 20 ብርጌዳት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ዝሕብሩ ጻብጻባት ኣለዉ” ይብል ኣሌክስ።
ክልቲኦም መንግስታት ግን ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ሓበሬታ ይነጽጉ።
ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ኬለ ኣወል ኣሎ ንኣብዪ ናብ ኖቤል ሕጹይ ኮይኑ ንክቐርብ ብዝነበሮ ተሳትፎ የጠዓስ’ዶ ይኸውን?
“እቲ ሕዚ ዝፈለጥክዎ ነገር ኣብቲ ሽዑ እዋን እንተዝፈልጥ ነይረ ከምኡ ኣይምገበርኩን። እንተኾነ ብኽልተ ገጹ ዝተሰሓለ ሰይፊ እዩ። ሽልማት ኖቤል ፖለቲካዊ ከስብታት ይህበካ እዩ፤ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኮይንካ ኲናት እንተኣዊጅካ ድማ ተሓታቲ ክገብረካ ይኽእል” ይብል እቲ ሙሁር።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







