ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ለንደን ሚላኖንን ዋሽንግተን ዲሲን ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, DM
ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ውሕስነትን ሰባዊ ረዲኤትን ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ናብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ መልእኽቲ ሻቕሎት ዝጸሓፉ ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ዘለዋ ጽልዋ ብምጥቃም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብቶም መዓስከራት ህጹጽ ረዲኤት ንክኣቱ ከፍቅድ ጸቕጢ ክትገብር ጸዊዖም።
ብተወሳኺ፡ ጸጥታዊ ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኪኽበርን፡ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ተጻብኦታት ጠጠው ኢሉ፡ ውሕስነትን ድሕነትን ሰለማውያን ሰባትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ክኽበር ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።
ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ዋሺንግተን ዲስን ከባቢኣን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምድጋፍ፡ ሕጊ ንከኽብሩ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ኣብ ኩናት ንዝተጎድኡን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምምስጋን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ምንጪ ስእሊ, ዋሽንግተን ዲሲን
እቶም ተሳተፍቲ ሰልፊ ነበርቲ ዲያስፖራ ፡ ነቲ ሕጊ ንምኽባር ዝተኻየደ መስርሕ ብምድጋፍ ንሃገሮምን ህዝቦምን ንምሕጋዝ ዘዝኽእልዎ ዘበለ ከምዘበርክቱ ሓቢሮም። ዶክተር ኣቢይ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ንምዕቃብን ሕጊ ንምኽባርን ዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ልቢ ብምምስጋን ድሕሪ ደጊም ኢትዮጵያውያን ሓደ ኬንና ናብ ልምዓት ክንግስግስ ኢና ኢሎም።
ብኻልእ መዳይ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን፡ ነቶም ኣብ መዓስከራት ትግራይ ብዘይ መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ኣብ ሽግር ዝርከቡ ልዕሊ 96 ሽሕ ስደተኛታት ህጹጹ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክረኽቡ ሰብኣዊ ኮሪዴር ክኽፈተሎም እውን ጸዊዖም።
እቶም ናይ ሚላኖ ሰልፈኛታት፡ ኵናት ንማንም ስለዘየርብሕ፡ ብዝቐልጠፈ ደው ክብል ብጭርሖታቶምን ድምጾምን ተማሕጺኖም።
እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሎምባርዲያ ዝመጽኡ ሰልፈኛታት ብሰንኪ ኵናት ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ዕንወት ብምግንዛብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ኩናት ንምብቃዕ ዝከኣሎ ከበርክት ጸዊዖም።
እቲ ኣብ ጽባሕ እቲ ኵናት ዝተቛረጸ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ኤለትሪክን ኣገልግሎት ባንክን ብዝቐልጠፈ ክጅመር ከኣ ተማሕጺኖም።
ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ትግራይ መሰረታዊ መባእታዊ ኣገልገሎት ተቛሪጹ ብምህላው ህዝቢ ኣብ ጸገም ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ብሰንኪ ምቁራጽ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ህዝቢ ኣብ ትግራይ ናይ ዘለው ስድራቤቱ ደሃይ ስኢኑ ተሻቒሉ ኣሎ።
ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, DM
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ፡ ኣብ ዓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ኣስታት 96ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሮም መግቢ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝተወደኣን ጸጥተኦም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።
እቶም ስደተኛታት ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።
ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝቐጸለ ውግእ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ካብቲ መዓስከራት ኣቐዲሞም ብምውጽኦም፡ ብዘይ ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ኲናት ተቐርቂሮም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ቢቢሲ ዘዘራራባ ኣደ ቖልዑት ኤርትራዊት፡ ለይቲ ለይቲ ዕጡቓት ሰረቕቲ ናብቲ መዓስከር እናኣተው ብዕጥቆም ኣፈራሪሖም ቴሌፎንን ኣዋርቕን ይዘምቱ ከምዘለው ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Temesghen Debesai
ውሕስነቶምን ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ስደተኛታት ሓያሎ ዓቕሎም ዝጸበቦምን ነበርቲ እተን መዓስከራት ስደተኛታት ንኣዲስ ኣበባ ክንከይድ ኢና ብምባል እግሮም ናብ ዝመርሖም ይብተኑ ከምዘለው እውን እታ ኣደ ተዛሪባ።
"ብደሓነ ሰላም ይእተው ኣይእተው እውን ንፈልጦ የብልናን" ክትብል ከኣ ሻቕሎታን ስክፍትኣን ሓቢራ።
ኣብዚ እዋን እቲ መዓስከር ዝተቖጻጸሮ ሓይሊ ከምዘየለ ግን ካብኦም ርሕቕ ኢሉ ተዂሲ ከም ዝሰምዑን እቶም ስደተኛታት ሓቢሮም።እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ መዓስከር ብዝተፈጸመ ደብዳብ ዝሞተን ዝቖሰሉን ክምዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖን፡ ከምዘተሓሳሰቦን ገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብድሕሪኡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ትካል ዘለዎ ሓላፍነት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ህዝቢ ናይ ምጉሕጓሕ" ስትራተጂ ክኽተል ጸኒሑ'ዩ ክብል ከሲሱ።
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር፡ ካብ ሃገሮም ንዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ውሕስነትን ሓለዋን ከም ዝረኽቡ ዝገብር ትካል ሕቡራት ሃገራት'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







