ጣዕሚ ፍራውለ ዘለዎ መድሓኒት ኤችኣይቪ፡ ንህጻናት ኣፍሪቃ ክቐርበሎም እዩ

ትካላት ውሃብቲ ረድኤት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ህጻናት ዝወስዱዎ ጣዕሚ ፍራውለ (ስትራውቤሪ) ዘለዎ መድሓኒት፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት (2021) ብዝተሓተ ዋጋ ክዝርግሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

እዚ፡ ናይ መጀመርታ ንህጻናት ዝተዳለወ መከላኸሊ መድሃኒት ጸረ ኤችኣይቪ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ህጻናት ምስ'ቲ ቫይረስ ከም ዝነብሩ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቶም ፍርቂ ጥራይ መድሃኒት ከም ዝረኽቡ ይሕብር።

እቲ መድሃኒት ምርር ዝበለ ጣዕሚ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ህጻናት ነዚ መከላኸሊ መድሃኒት ክወስዱዎ ተጸጊሞም ጸኒሖም’ዮም።

ክኢላታት ጥዕና፡ እቲ ሕጂ ንህጻናት ተዳልዩ ዘሎ መድሃኒት ንዐኦም ብዝጥዕም መልክዑ ክቐርብ ከም ዝተገብረ ገሊጾም።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ብዓቐን ዓበይቲ ዝፈረየ መድሃኒት ክወስዱ ኣይክግደዱን።

መጠን ዋጋ መድሃኒት ጸረ ኤችኣይቪ ካልእ ዓብዪ ማሕለኻ ኮይኑ ዝጸንሐ’ዩ። እዚ ሓድሽ መድሃኒት ድማ ብዝተሓተ መጠን ዋጋ ክቐርብ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣብ ቤኒን፣ ኬንያ፣ ማላዊ፣ ናይጄሪያን ዙምባብወን ዘለው ህጻናት እዚ መድሃኒት ክረኽቡ’ዮም።

እዚ ሓድሽ መድሃኒት ዋግኡ 120 ዶላር ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ዓመታዊ 500 ዶላር ይሓትት ነይሩ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኣህጉራዊ መዓልቲ ኤይድስ ኣድሂቡ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ዝርግሐ እዚ ሕማም ንምግታእ ብሓድሽ ቃልሲ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሉ።

ኣብ 2030 ዝርግሐ እዚ ሕማም ንከብቅዕ ዝተትሓዘ መደብ’ኳ እንተሃለወ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ሓደ ማሕለኻ ቃልሲ ምክልኻል ኤችኣይቪ ኤይድስ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ’ውን ጠቒሱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዓለም 26 ሚሊዮን ሰባት መድሃኒት ጸረ ኤችኣይቪ ከምዝጥቀሙ ሓበሬታ እቲ ትካል የረድእ።