ንዉሉዳ ከባቢ 30 ዓመታት ኣብ ገዛ "ኣሲራ" ዝተረኸበት ኣደ ኣብ ቀይዲ ኣትያ

ፖሊስ ስዊድን ንከባቢ 30 ዓመታት ውሉዳ ኣብ ገዛ ዓጽያ ብምሕባእ ዝተጠርጠረት ኣደ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ሓቢሩ።

እታ 70 ዓመት ዕድመ ከም ዝመልኣ ዝተገለጸት ኣደ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን 40 ዓመት ዝመልኦ ወዳ ጉድኣት ዝበጽሖ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ዝረስሐ ክፍሊ ገዛ ተዓጽዩ እዩ ተረኺቡ። ንሳ ግን ነዚ ከምዘይገበረት ተዛሪባ'ላ።

እታ ኣደ ሓሚማ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወሰደትሉ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብቲ ገዛ ዝኸደት ሓንቲ ቤተሰቡ ከም ዝረኸበቶ ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ነቲ ዘጋጠሞ ጉድኣታት ሕክምና መጥባሕቲ ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፖሊስ ነቲ ገዛ ዓጽዩ ነቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ንምጽራይ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ።

ብተወሳኺ መሰኻኽር ዓይኒ ንምርካብ ይደልይ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ከኣ ኣዲኡ ኣብ ማእሰርቲ ክትጸንሕ ተገይሩ'ዩ።

እታ ኣደ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ድማ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝጽበያ ፖሊስ ሓቢሩ።

ከመይ ተረኺቡ?

እታ ሓፍቱ ከም ዝኾነት እትዛረብ ውልቀሰብ እታ ኣደ ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተወት ምስ ሰምዐት ብሰንበት ምሸት ናብቲ መንበሪ ገዛ ትኸይድ።

ኣብ ስዊድን ንዝርከብ ማዕኸን ዜና ኤስቲቪ ከምዝሓበረቶ፤ ገና ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዕድመ እናሃለወት'ያ ካብቲ ገዛ ወጺኣ።

ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚራ ድማ ንሓዋ ርእያቶ ኣይትፈልጥን።

ነቲ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ገዛ ከፊታ ኣብ ዝኣተወትሉ ጊዜ ኣብቲ ጸልማት ገዛ ሽንቲ፣ ርስሓት፣ ደሮናን ዝመሽመሸ ነገራትን ትረክብ።

"ሄሎ" እናበለት እንተተደሃየት'ውን መልሲ ዝህባ ሰብ ኣይነበረን። ሽዑ ናብ ውሽጢ እናኣተወት ከይዳ።

ድሕሪ ቁሩብ ጻንሒት ካብ ውሽጢ ክሽነ ድምጺ ስለ ዝሰምዐት ናብኡ ብምእታዋ እቲ ወዲ 40 ዓመት ኣብ ገዛ ዝተዓጽወ ሰብ ኣብቲ ጸልማት ኣብ ሓደ ጸግዒ ኮፍ ኢሉ ከም ዝረኣየቶ ትዛረብ።

እግሩ ድማ ክሳብ ብርኩ ብቑስሊ ተሸፊኑ ነይሩ።

ሽዑ ንሱ ንዓዓ ምስረኣያ ካብ ኮፍ ዝበሎ ተሲኡ ንስማ ብዝደኸመ ድምጺ ደጋጊሙ ጸዊዑ።

ዳርጋ ኩሉ ኣስናኑ ተወዲኡ፤ ድምጹ ድማ ብጣዕሚ ዝደኸመ ምንባሩ ተዛሪባ።

ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን ድማ ዋላ ብቑሩብ እንተኾነ ንዓዓ ከም ዝዘከራን ምስ ረኣያ ፈጺሙ ከም ዘይፈርሓን እውን ገሊጻ።

ንሱ ናብ ሆስፒታል ምስተወሰደ ከኣ ዶኳትር ንፖሊስ ሓበሬታ ብምሃቦም ኣዲኡ ኣብ ቀይዲ ክትውዕል ተገይሩ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ሕክምና መጥባሕቲ ይግበረሉ ዘሎ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዓይነት ሕክምና ዝተዋህበ ዝርዝር መብርሂ የለን።

"ብዛዕባ እቲ ብኣዲኡ 'ዝተኣሰረ' ውልቀሰብ ክንገልጾ እንኽእል ሓደ ነገር እንተሃለወ ንነዊሕ እዋን ተዓጽዩ ከም ዝጸንሐ ርግጸኛታት ምዃንና እዩ" ኢሉ ወሃቢ ቓል ፖሊስ ኦላ ኦስተርሊን።

"ክንደይ ዓመታት ዝብል ክንግምት ኣይንኽእልን። ንሱ ኣካል ናይቲ ክንደይ እዋን'ዩ ተዓጽዩ ንዝብል ንምፍላጥ ነካይዶ ምጽራይ እዩ ክኸውን" ኢሉ።

እታ ሓፍቱ ከም ዝኾነት ዝተዛረበትን ነቲ ሰብ ዝረኸበቶን ንቴሌቪዥን 'ኤስቲቪ' ከም ዝሓበረቶ፡ እታ ኣደ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ዝወለደቶ ካልእ ወዳ ብሞት ምስ ሰኣነቶ ኣብ ጽቡቕ ስምዒት ኣይነበረትን።

ደጊማ ምስ ወለደት ድማ ነቲ ቖልዓ ናይቲ ቀዳማይ ወዳ ስም ሂባቶ። ነቲ ዝሞተ ውላዳ ዳግም ክትረኽቦ'ውን ዝለዓለ ሃንቀውታ ነይርዋ።

"ሕዚ ሓገዝ ክረክብ ብምኽኣሉን ብህይወት ብምትራፉን ምስጋናይ ዝለዓለ እዩ" ክትብል ድማ ተዛሪባ።