"እዚ ኩናት ደው ክብል ኢና ንደሊ፤ ህዝቢ ይመውት እዩ ዘሎ" ኣምባሳደር ፍስሃ

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ሳልሳይ ሰሙኑ ኣሕሊፉ'ሎ። ኣብዚ እዋን እቲ ኵናት ናብ ከተማ መቐለ እናተጸገዐ ብምምጽኡ ሓያል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ብታንክን ከቢድ ብረትን ክኸብብ ትልሚ ከምዘለዎ ምስገለጸን፡ ሰላማውያን ነበርቲ ንርእሶም ከድሕኑ እንተዘየሎ ግን “ምሕረት ኣይክህልዉን” ድሕሪ ምባሉ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተሓለቕቲ መሰላትን “ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ” ጻውዒት ገይሮም እዮም።

ብሰንኪ'ዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱን ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣማኢት ወተሃደራት ከምዝሞቱን ጸብጻባት የመልክቱ።

ንመንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሰላማዊ ልዝብ ከቕርቡ፡ ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጸዩ ሰለስተ ልኡኻት ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝፍተን ዘሎ ዝርርብን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ኣመልኪቱ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ መደብ ፎከስ ኣፍሪቃ፡ ቦላ ሞሹሩ፡ ንኣማኻሪ ህወሓት ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ኣዛሪባቶ ኣላ። ብዘዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ብኸምዚ ይጅምር፤

ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስዶም፡- መጀመርታ ጠጠው ከብል ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ሰላማውያን ሰባት ክድብድብ ኣይግባእን። ንላዘብ። ህዝቢ ከኣ ሓሳቡ ይግለጽ። ዘይሻራዊ ዝኾኑ መንጎኛታት ናብ ትግራይ ይምጽኡ፤ እቲ ህዝቢ ዋላኳ ህወሓት ከመሓድረና እንተመረጽናዮ ሐዚ ግን ኣብዪ የጥቀዐና ስለዘሎ ይውረድ እንተኢሎም ሓደ ሰላማዊ መፍትሒ እዩ።

ከረጋግጸልኪ እቲ ኩናት ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ውሑዳት ሰባት ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ንኣብዪ ከም ናይ መንግስቱ ስርዓት እዩ ዝርእዮ። ስለዚ ተጋሩ ንህወሓት ክቕበልዎ ወይ ክነጽግዎ ሰላማዊ ዝኾነ ናይ ድርድር ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ፤ ሽዑ ንሰምዖም። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም መሪጽናካ ኢና ግን ሐዚ ግን ኣይንደልየካን ኢድካ ንመንግስቲ ፌደራል ሃብ እንተይሉ፡ ሽዑ ማሕበረሰብ ዓለም ይሰምዕ።

ቢቢሲ፡ ብዙሕ ሰብ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ይደሊ እዩ፡ ኩናት ደው ኣቢልኩም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ፍቓደኛታት ዲኹም ?

ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስዶም፡ እቲ ኩናት ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ነዊሕ ግዘ ጀሚሩ ከምኡ ኢና እናበልና ጸኒሕና። እወ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝኾነ ቦታ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት እዚ ኩናት ደው ክብል ኢና ንደሊ። ህዝቢ ትግራይ ይመውት እዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ናብ ሱዳን ክሰግሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስደተኛታት እኳ፡ ወታሃደራት መንግስትን ኤርትራን ምስጢር ከየውጽኡ ስለዝፈርሑ ይኽልክሉዎም እዮም ዘለዉ። ሰባት ይሞቱ እዮም ዘለዉ። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዘይ ሕጋዊ መንግስቲ፡ ንኸተማ መቐለ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ እናሃለዉ ክድብድባ ከምዝኾነ እዩ ዘፈራርሕ ዘሎ።

ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝነበርኩሎም 40 ዓመታት ከምዚ ዝበለ ርእየ ኣይፈልጥን፤ እወ ድሉዋት ኢና፡ ብወገን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ግን ሃገራት ኣዚና ኢና ሓዚንና።

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዘይስሩዕ መገዲ እዮም ምዝራብ ጀሚሮም፡ ሓንቲ ሃገር ንኣብዪ ድላዩ ክገብር ፍቓድ ስለዝሃበቶ ጥራሕ። እቲ ኲናት ኣብ ክልተ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ክውዳእ እዩ ተባሂሉ። እመኑኒ ኣይውዳእን፥ እቲ ስቓይ ክቕጽል እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሓላፍነቱ ከምዝዋጻእ ተስፋ ንገብር። ኮይኑ ግና ኣብ ኒውዮርክ ርእየዮም እየ፡ ንብዙሓት'ውን ኣዘራሪበዮም። ኣብዪ ኣሕመድ ዝደለዮ ክገብር እዮም ዝጸበዩዎ ዘለዉ። ወታሃደራዊ ጸብለልታ ምስረኸበ ናብ ድርድር ክመጽእ እዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። እዚ ግን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣይከውንን።

ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሸበርቲ ኮፍ ኢልና ኣይዘራረብን ኢሉ ነይሩ እዩ። ምናልባት ፍቓደኛ እንተኾይኑ እሞ ናብ ዝርርብ እንተቐሪብኩም መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክብል ኢኹም ትጽበዩ?

ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስዶም፡- መጀመርታ ኣብቲ ድርድር እንታይ እዩ ክበሃል ክነግረኪ ኣይከእልን፡ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ገና እዩ። ክዛረበኪ ዝኽእል ግን ኢትዮጵያ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታውን ቅልውላው እዩ ኣጋጢምዋ ዘሎ። ናይ መወዳእታ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ እዩ። ስለዚ ቅትለትን ምድብዳብን ደው ምስበለ፡ መንጎኛታት ኣብ ዘለዉሉ ነዚ ብሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ንምፍታሕ ክንደራደር ኢና። ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ጥራሕ ኣይኮነን፡ እዚ ጸገም ናይታ ሃገር ሙሉእ እዩ።

መጀመርያ ግን ናይ ኣብዪ መንግስትን መንግስቲ ትግራይን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ደው ከብሉ ኣለዎም። እቲ መፍትሒ ዝመጽእ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ጠረጵዛ ኮፍ ኢሎም እንተተዛትዮም እዩ። እዚ ኢና እንብል ዘለና። ኣብዚ ዘተ እንታይ እዩ ክበሃል ግን ክዛረበኪ ኣይክእልን። ኣብዪ ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ኣለዎ፤ መንግስቲ ትግራይ እውን ከምኡ፡ ነዐኦም እዩ ዝምልከት። ምእንቲ ሰላም፡ ምእንቲ እታ ሃገር ግን ኮፍ ኢሎም ክዛተዩ ኣለዎም።