ፕረዚደንት ትራምፕ ንውጽኢት መረጻ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ክሲ ውድቂ ኾይኑ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ላዕለዋይ ዳኛ ግዝኣት ፐንሰልቪንያ፡ ጠበቃታት ዶናልድ ትራምፕ እቶም ኣብታ ግዝኣት ብሚልዮንት ዝቁጸሩ ብፖስት ዝተወሃቡ ድምጽታት ወግዓውያን ስለዘይኮኑ ካብ ቁጽሪ ይውጽኡ ኢሎም ዘቕረብዎ ክሲ ዘይቕቡል ብምባል ወውድቂ ገይርዎ።

ላዕለዋይ ዳኛ ግዝኣት ፐንሰልቪንያ ማቲው ብራን ነቲ ኣቆጻጽራ እቲ ድምጺ ቅኑዕ ኣይነበረን ዝብል ክሲ “መርትዖ ዘይብሉ ክሲ’ ብምባል ነጺግዎ።

እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብታ ግዝኣት ክሳብ ሕጂ ብ80 ሽሕ ድምጺ ዝመርሕ ዘሎ ጆ ባይደን ኣብታ ግዝኣት ዓወቱ ምሉእ ንኽኸውን መንገዲ ዝጸርግ ኮይኑ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ናይቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ነቲ ውጽኢት ንዘይምቅባል ተደጋጋሚ ክስታት እኳ ክምስርት እንተጸነሐ ክሳብ ሕጂ ግን ንኽሱ ሰሚዑ ክምርምር ዝተበገሰ ቤት ፍርዲ የለን።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቶም ብፖስታ ዝተውሃቡ ድምጽታት ምጥፍፋእ ስለዘኸትሉ ክቁጸሩ የብሎምን ዝብል ክሲ ከቕርብ እንከሎ እቲ ክሱ ብምርትዖ የሰንዮ ስለዘየለ ግን ክሳብ ሕጂ ሓሳቡ ኣይሰመረሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ውጽኢት መረጻ ምሕባሩ፡ ንውጽኢት እቲ መረጻ ብምቅዋም ዝሓንገደ ፕረዚደንት ኣይነበረን ፤ዶናልድ ትራምፕ ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ውጺኢት ኣይኣመነሉን ዘሎ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ኩለን ግዝኣታት ተረኺቡ ብዘሎ ውጽኢት ጆ ባይድን 306 ከምኡ ከኣ ዶናልድ ትራምፕ 232 ድምጺ 'ኢሎክቶራል ኮሌጅ' ረኺቦም ኣለዉ።

ብሕጊ መርጻ ኣመሪካ 270 ኢሎክቶራል ኮሌጅ ዝረኸበ ተወዳዳሪ ከም ዕዉት ስለዝውሰድ ከኣ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ መረጻ ጆ ባይደን ብሰፊሕ ከምዝተዓወተ እዩ ዝግለጽ።

ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ ብፍላይ ኣብተን ጆ ባይደን ብሰፊሕ ዝተዓወተለንን ዓበይቲ ግዝኣታትን ዓወት ጆ ባይደን ከይእወጅ እዮም ዝማጎቱ ዘለዉ።

እዘን ኣብ ክትዕ ዘለዋ ግዝኣታት ዓወት ጆ ባይደን እንተኣዊጀን ብቐጥታ ዓወት ናይ ጆ ባይደን ስለዘበስር’ዮም እቶም ጠበቃታት ዶናልድ ትራምፕ ኣትሪሮም ዝማጎቱ ዘለዉ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ መርትዖ ኣየቕረብኩምን እናተባሃሉ ክሶም ተቐባልነት ኣይረኸበን ዘሎ።

ላዕለዋይ ዳኛ ናይታ ሓንቲ ካብ ወሰንቲ ግዛታታት ኣሚሪካ ዝኾነት ፔንሰልቪንያ ማቲን ብራን፡ ጉጅለ ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ ሸውዓተ ሚልዮን ዝኸውን ብፖስታ ዝተውሃበ ድምጺ ውዱቕ ንክኸውን እዮም ክጽዕሩ ጸኒሖም ኢሉ።

ላዕለዋይ ዳኛ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ማቲን ብራን “እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሲ መርትዖ ዘይብሉን መሰረት ኣልቦን’ዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ ውዓል ሕደር ከይበሉ ‘ይግባይ’ ከምዝብሉ ሓቢሮም ኣለዉ።

ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ውሑዳት እዮም ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ውጽኢት ክቕበሎ ዝጉስግስዎ ዘለዉ።

ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ’ውን ድምጺ ዳግማይ ይቆጸር ኢሎም ዝሓተቱ ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ድምጺ ዳግማይ ክቁጸር እኳ እንተወሰነ፡ እቲ ድምጺ ዳግማይ ምስ ተቆጸረ’ውን ንዓወት ጆ ባይደን እዩ ኣረጋጊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ግዝኣት ድምጺ ንሳልሳይ ግዜ ይቆጸር ብምባል ብመንገዲ ጠበቃታቱ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ግዝኣት ሚቺጋን ዓወት ጆ ባይደን ብወግዒ ንኽእወጅ ክልተ ሳምንታት ከምዘድሊ እኳ እንተተሓበረ ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ግን እዚ ውሳነ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ተቃዊሞም ኣለዉ።