ወዲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፈ ተገሊጹ።
አፈኛ ትራምፕ ጁንየር ቃል ከምዝገለጾ፡ እዚ ወዲ 42 ዓመት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈን ንባዕሉ ወሺቡ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
''ዛጊድ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ኣየርኣየን፤ ኩሎም ሕክምናዊ መምርሒታት ኮቪድ-19 እውን ይትግብር እዩ ዘሎ'' ብምባል ገሊጹ፡፡
ዶናልድ ጆንየር፡ካብ ደቂ ትራምፕ ብኮቪድ-19 ዝተታሕዘ እቲ ካልኣይ እዩ፡፡
ወዲ 14 ዓመት ባሮን ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ብቅልጡፍ ሓውዩ፡፡
ንፋዕ ተዛራባይ ምዃኑ ዝንገረሉ ዶናልድ ጁንየር፡ ኣብ ወፍሪ መረጻ ኣቡኡ ዓብዪ ተራ ነይሩዎ፤ ንፕረዚደንትነት ናይ ምውድዳር ድልየት ከምዘለዎ እውን ይዝረብ፡፡
መጻምቲ ጁንየር ዝኾነት ኪምበርሊ ጊልፎየል'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ በቲ ቫይረስ ተታሒዛ ነይራ፡፡
ብተመሳሳሊ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣንድሪው ጊልያኒ፡ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦ ትማሊ ዓርቢ ገሊጹ።
ኣብ ኣመሪካ ኮቪድ-19 ከም ብሓድሽ ካብ ዝደግስ ጀሚሩ፡ ብውሑድ ካልኦት ኣርባዕተ ኣማኸርቲ እቲ ቤተ መንግስቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተታሕዙ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ጸብጺቡ፡፡
ኣመሓዳሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ማርክ ሚዶውስ፡ ካብቶም ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ ብዙሓት ሓደ እዩ፡፡
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር በቲ ቫይረስ ምስተለኸፈ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ክገብሮ ተገዲዱ እዩ።
በዓልቲ ቤቱ መላንያ ትራምፕ'ውን ካብቲ መልከፍቲ ኣየምለጠትን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ወዲ እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ጁንየር፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ዘስዕቦ ንዘሎ ሞት ኣናኢሱ ብምርኣይ ተነቒፉ ነይሩ፡፡
ንሱ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መሕተት፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ ነቲ ዘሎ በዝሒ መልከፍቲ እምበር ነቲ ውሑድ መጠን ሞት ይጽብጽብኦ ከምዘየለዋ ተኻቲዑ ነይሩ፡፡
ዛጊድ 11.8 ሚልዮን ኣመሪካውያን በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 253 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው፡፡
ኣብ ኣመሪካ ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ 192 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







