ተጻባእቲ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ፍኖተ ካርታ መረጻ ተሰማሚዖም

ልእኽሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ስቲፋኒ ዊልያምስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ተጻባእቲ ሓይልታት ሊብያ መረጻ ንምክያድ ‘‘ኣፈናዊ ስምምዕ ፍኖተ ካርታ’’ ገይሮም፡፡

እቶም ሓይልታት ኣብ ቱኒዝያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ፡ ነቲ ከይዲ እትከታተል ዘላ ልእኽሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ስቲፋኒ ዊልያምስ ገሊጻ፡፡

እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ ፖለቲካዊ ዘተ፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጀኔቫ ዝበጽሕዎ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡

እቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሊብያውያን ተወከልቲ ኣብ ቱኒዝ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ ንምውሳንን ነቲ ከይዲ ዝከታተል መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ እቲ ዘተ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ፡ ፕረዚደንታውን ፓርላመንታውን መረጻ ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ፍኖተ ካርታ ከምዝተሰማምዑ ስቲፋኒ ዊልያምስ ኣመልኪታ፡፡

ሰቲፈፋኒ፡ ነቲ ዝተበጸሐ ደረጃ ‘‘ መገዲ ዝጸርግ’’ እዩ ኢላ'ኳ እንተገለጸቶ፡ እቲ ከቢድ ክኸውን ዝኽእል ምምራጽ መሰጋገሪ መንግስትን ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽርን ግን ገና ኣይተሳለጠን፡፡

ሎሚ ሓሙስ ድማ ብዛዕባ ስልጣንን ዓቕምን እቲ ስግግር መንግስቲ ክዝትዩ ምዃኖም ስቲፋኒ ኣመልኪታ፡፡

ሊብያ ድሕሪ እቲ ንሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ዝመሓወ ናዕቢ፡ ማእከል ኲናትን ዕግርግርን ኮይና ጸኒሓ እያ፡፡

እታ ሃገር ዋና መተሓላለፊት ናብ ኣውሮጳ ዝግበር ስደት እውን እያ፡፡