ቀጠር ደቂ ኣንስትዮ ‘ብዘይኣግባብ’ ናይ ወሊድ መርመራ ክገብራ ተገዲደን ዝብል ክተጻሪ’ያ

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዶሃ ናይ ወሊድ ምርመራ ክገብራ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዶሃ ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ ‘ጽዑቕ ፍተሻ’ ስለ ዝገበረለን ቅርሕንቲ ኣልዒሉ።

እተን ፍሉይ ተፍትሽ ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ መንጎአን ዝሓረሰት እንተላ ንምፍላጥ እዩ።

እቲ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ 2 ጥቅምቲ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዶሃ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ተደርብዩ ዝተረኽበ ህጻን እዩ።

ነዚ ድማ እተን 10 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 18 ኣውስትራልያን ክፍተሹ ተገይሩ።

እታ ሓሪሳ ዝደረበየቶ ኣዲኡ ንምርካብ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ነተን ኣብቲ እዋን ተሳፈርቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ተፍትሽ ዝተገብረለን ኮይኑ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ቁጠዐኡ ገሊጹ ኣሎ።

እተን ምርመራ ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ፡ መጀመርታ ናብ ኣምቡላንስ ከም ዝውሰዳን ኣብኡ ናይ ውሽጢ ክዳነን ከውጸኣ ከም ዝሕተታን ተዛሪበን።

መንግስቲ ኣውስትራልያ'ውን ነቲ ተግባር ብምኹናን ዝሓደሮ ቅርታ ገሊጹ ኣሎ።

እታ ህጻን ናብ ማእከል ሕክምና ተወሲዳ፡ ግቡእ ረድኤት እናተገበረላ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም እትርከብ ዝገለጸ፡ መንግስቲ ቀጠር ብወገኑ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

እታ ህጻን ብላስቲክ ተሸፊና ኣብ ናይ ጎሓፍ ሻንጣ እያ ተደብያ ተረኺባ።

ነታ ነቲ ገበን ዝፈጸመት ሓራስ ንምእላሽ ዝተወስደ ስጉምቲ እታ ገበነኛ ከይተምልጥ ዝዓለመ’ኳ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲ ንዝተፈጥረ ዘይምቹኡነት ግን መንግስቲ ቀጠር ‘ይቕረታ’ ክብል ሓቲቱ ኣሎ።

ከምኡ ኾይኑ’ውን ግን ነቲ ነቲ ተጓንፎ ነጻ ኾይኑ ዘጻርዪ ጉጅለ ኣጣይሹ ስርሑ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ውጽኢቱ ድማ፡ ንዝምልከተን ሃገራት ብህጹጽ ከፍልጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣውስትራልያ እቲ ኩነታት ንክጻረ ምስተን ካልኦት መንነተን ዘይተጸርሓ ክልተ-ሰለስተ ሃገራት ኮይና ምስ ቀጠር ምትሕብባር ትገብር ከምዘላ እያ ትገልጽ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዝተኻየደ ተፍትሽ ኣብዚ ሰሙን እናፎኾሰ’ኳ እንተኸደ ፡ ብፍላይ ነታ ካብ ከተማ ዶሃ ናብ ከተማ ሲድኒ [ኣውስትራልያ] ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ዝነበራ 18 ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ተፍትሽ ግን መዘራረቢ ሚድያታት ኣውስትራልያ ኾይኑ እዩ።

ድሕሪ'ዚ እዚ ተፍትሽ ዝብዝሓ ንስነ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ኣመሪካ ምስ በጽሓ ናይ ሕክምና ድጋፍ ከም ዝተገብረለን እዩ ዝግለጽ።

ነተን ደቂ ኣንስትዮ ድሌተን ሓቲትካን ኣብ ፍቓደን ዝተመስረተን ምርመራ ምግባር ምተኽኣለ ነይሩ ይብል- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ።

ኣብቲ በረራ ዝነበረት ሓንቲ ኣውስትራያላዊት ዲፕሎማት፡ ዋላ'ውን እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሐ እንተዘይኮነ ኣብቲ እዋን ንመንግስታ ዘፍለጠት ኮይና፡ “ኣብዚ ዘመን ከምዚ ዓይነት ነውሪ ተግባር ክፍጸም እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን” ኢላ ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ፌዴራል ዘመሓላለፎ ኾይኑ፡ እቲ ፍጻመ ዛጊድ ከም ‘ጾታዊ ዓመጽ’ ኣይረእዮን።

ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ቀጠር ዝወሃብ ወግዓዊ ምላሽ ይጽበ ኣሎ።