እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃፓናውያን ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም ሰላሊ ዝቖጽርሉ ምኽንያት
ወዮ ድኣ ብደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝተለመደ'ዩ እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሰብኡተን ሰለልቲ የዋፍራ እየን።
መናእሰይ'ውን ንመጻምዶም ከምኡ የሰልሉ።
ኣቤት! ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ዝኽፈሉዎ! ውሑድ'ዶ መሲሉኩም?
ሓደ ሰላሊ ክሳብ 400 ሽሕ የን (መተዓዳደጊ ገንዘብ ጃፓን) ይኽፈሎ።
ብርግጽ፡ እዚ ገንዘብ ብልክዕ እቲ ናይ ባዶ ቑጽርታት ብዝሒ ኢዶእ! ዘብል ኣይኮነን።
ነዚ ጽሑፍ ኣንቢብኩም ክሳእ ትውድኡ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ከይውስኽ እምበር፡ ክንደይ ከም ዝኾነስ ጸኒሕና ክንነግረኩም ኢና።
መጀመርታ ግን ሕምብርቲ እቲ ታሪኽ ኣንቢብኩም ሓዙዎ።
እቱ ሰላሊ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ
ብ2010 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ታሪኽ እዩ።
ሓደ ሰላሊ ፍቕሪ ሒዙዎ። ሰበይቲ እንዳ'ማቱ ክስልል ዝተቖጸረ ሰብ'ዩ እኮ።
ድሓር፡ እታ ሰበይቲ በዓል ቤታ ዝቖጸሮ ሰላሊ ከም ዝኾነ ትፈልጥ'ሞ ትብኣሶ።
መዓዝ እዚ ጥራሕ፡ ንዕኡ ኮነ ንበዓል ቤታ ኪዱ ርሓቑለይ፤ ኣይተድልዩንን ኢላቶም።
መወዳእርኡ ጽቡቕ ኣይኮነን፤ በገመድ ሓኒቑ ቀቲሉዋ።
እዚ ታሪኽ ልበወለድ ኣይኮነን፤ እቲ ሰላሊ ገበነኛ ተባሂሉ ብማእሰርቲ 15 ዓመት ተቐጺዑ እዩ።
እቲ ሰላሊ ታኬሺ ኩዋምባራ እዩ ዝብሃል። ንሱ፡ ኢሶሃታ እትብሃል ጽብቕቲ ወይዘሮ ንክስልል ብብዓል ቤታ ይቑጸር።
ድሓር፡ ንኢሶሃታ እናተኸታተለ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሱፐርማርኬት ተላሊዩዋ።
ሽዑ፡ ባሕተላይ በዓል ሞያ ኮምፒዩተር ኢሉ'ዩ ተላሊዩዋ። ነናሻዕ ክመላልስ ይጅምረልኩም።
ኣብታ ቀጣን ገጹ፣ ተራር ኣፍንጭኡ መነጽር ሸኲዑ ክርኣይ እንከሎ፡ ጸዓዱ 'ነርዲ' ዝብሉም ናይ ኮምፒዩተር ወልፊ ዘለዎም መናእሰይ እዩ ዝመስል።
ኣነስ ባሕተላይ'የ ክብላ እንከሎ፡ ኢሶሃታ ኣሚናቶ። ግንከ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን'ዩ።
"ንስኺኸ?"
"ኣነስ በዓልቲ ሓዳር'የ"።
"ዋይ! እንታይ ኣሀወኸኪ? ኣነ'ዶ! ከይተመርዓዉኺ ምረኸብኹኪ እንታይ ነበሮ?" እናበለ ከስልላ ይሕሱ።
ኣይተረፈትን፤ በቲ ሰላሊ ተማሪኻ። በዓልቲ ሓዳር እንተኾነት'ውን ምስ ሰላሊ ታኬሺ ብሕቡእ ፍቕራዊ ርክብ ትጅምረልኩም።
እንግዶት ድራር . . . እናበለ ዝተጀመረ ርክቦም ምስኡ እናምሰየት ክትስሕቕ ክትጻወት ትቕጽል።
ደስ ኢሉዋ። ግን ተጋግያ፤ ክልቲኦም ተጋግዮም።
እቲ ዝገርም ግን፡ ሰላሊ ታኬሺ ስርሑ ረሲዑ ምስኣ ብፍቕሪ ምውዳቑ'ዩ።
ኩነታቶም ዘይጥዓሞ በዓል ቤታ ኢሶሃያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰላሊ ካልእ ሰላሊ ይቖጽር።
ሓደ መዓልቲ ካብ ሆቴል እናወጽኡ እቲ ሓድሽ ሰላሊ ዝወሰዶ ስእሊ ናብቲ በዓል ቤታ ይበጽሕ።
ሕጂ ጉድ መጺኣ! በቃ እቲ በዓል ቤታ ዝደልዮ ነገር ረኺቡ ኣሎ።
ቀደሙ'ውን ንዓኣ ስለ ዝፈትዋ ሰላሊ ዝቐጸረ ከይመስለኩም፤ ፍትሕ ይደሊ ስለ ዝነበረ'ዩ።
ኣብ ጃፓን ፍትሕ ቀሊል ኣይኮነን። ርጡብ መረዳእታ የድልዮ። ናይ ስእሊ፣ ናይ ቪድዮ መረዳእታ።
ኣብ መወዳእታ ዕድመ ነቲ ሓድሽ ሰላሊ እቲ ፍትሕ ተፈጺሙ።
ይኹን'ምበር፡ ኢሶሃያ ምስቲ ሰላሊ ፍቕራዊ ዝምድና ጀሚራ ስለ ዝነበረት፡ ታኬሺ ሰላሊ ምዃኑ ዘንጊዓ እያ ፈሊጣ።
ሓሪቓ፤ ምሳኻ ክነብር ኣይደልን ኢላቶ።
በቲ እንተበለ በቲ . . . ተንበርኪኹ እንተለመነ . . . ክሳደይ ንካራ ኢላ እምብለይ ትብሎ።
ኣብዚ ግዜ እቲ ሰላሊ ትዕግስቲ ክገብር ኣይክኣለን፤ ምኽንያቱ ንሱ'ውን ሰበይትን ቆልዑን ኣለውዎ'ዮም።
ነዚኦም ገዲፉ'ዩ ምስኣ ፍቕሪ ጀሚሩ። ንሳ ኣይደልየካን ክትብሎ ከላ "ንስኺ እንተተፈሊኽኒ ናተይ ምንባር ድኣ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?" ኢሉ ንዓኣ ብገመድ ሓኒቑ ይቐትላ።
ኣብ ጃፓን ሓያል ስንባደ ተፈጢሩ።
ካብዚ ብዝብገስ እቶት ሰለልቲ ነክዩ። ሰላሊ ታኬሺ'ውን በቲ ዝፈጸሞ ገበን ማእሰርቲ 15 ዓመት ተፈሪዱዎ ይእሰር።
"ብሓድሽ መልክዕ ሰብ ሓዳር ክንስልል ጀሚርና"
ድሕሪ ሞት ኢሶሃታ፡ ጉዳይ ሰለልቲ ሓዳር ጃፓን መዘራረቢ ኮይኑ።
ንግዝኡ ድማ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ልዕሊ ሰለልቲ እምነት ዝጎደሎም መሲሎም እቲ ጉዳይ ምዝሕሓል ዘርኣየ መሰለ።
ድሕሪ ዓመታት ግን ዳግም ሓያል ቢዝነስ ኮይኑ ኣንሳእረረ።
ጃፓናውያን፡ ነዞም ሰለልቲ ሓዳር 'ዋካሬሳሴያ' ኢሎም ይጽውዑዎም። እቲ ቢዝነስ'ውን ዋካሬሳሴያ እዩ ዝብሃል።
እንታይ ግድኹም፡ ንጃፓን ዳርጋ ኢንዳስትሪ ኮይኑዋ እዩ ምባል ይከኣል።
ንኣብነት፡ ኣስታት 270 ኩባኒያታት ሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኦም ሓዳር ይስልሉ።
ሰብ ዝፈልጦ ወግዓዊ ድረ ገጽ ኣለዎም። ንመወዓውዒ ሚሊዮናት ይኸፍሉ። እዚ ብዙሕ ኣይኮነን?
"ሰለልቲ ሓዳር ዝሓቱዎ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን" ይብል ሞሹዙኪ።
ሞሹዙኪ ቅድም ኢሉ ሙዘቀኛ ነይሩ፤ ሕጂ ድማ ናይ ውልቂ መርማሪ ኮይኑ፤ ቤት ጽሕፈት ስለላ ሓዳር'ውን ኣለዎ።
ንሓደ ስለላ፡ ክሳብ 400 ሽሕ የን የኽፍል። እዚ ናብ ዶላር ክንቕይሮ ከለና ናብ 3 ሽሕ ዶላር ዝጽጋዕ ይኸውን።
ብናይ ኢትዮጵያ ብር ከኣ'ሞ ኣስታት 100 ሽሕ ብር'ዩ።
እንተኾነ፡ እዚ እቲ ዝተሓተተ ክፍሊት'ዩ።
እዚ ሰበይቲ ንሰብኣያ ወይ ድማ ሰብኣይ ንሰበይቲ ከሰልል ክደሊ እንከሎ ብዙሕ መረዳእታ እንተሂቡ ዝዋሃበካ ዋጋ'ዩ፤ ጎዲሉል ተባሂሉ። ናይ ዘመድ ዋጋ በሉዎ።
ንኣብነት፡ ሓደ በዓልቲ ቤቱ ኣበይ ከም እትውዕል፣ እንታይ ከም እትፈቱ፣ መሓዙታ በዓል መን'የን፣ ናይ ፌስቡክ ናይ ሚስጢር ቑጽራ እንታይ ይብል፣ ድኹም ጎና፡ . . . ወዘተ ዝብሉ ንምፍላጥ ክሳብ 20 ሚሊየን ዝበጽሕ ዋጋ ክትሕተት ትኽእል።
እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ፍሉጣት፣ ህቡባት፣ ፖለቲከኛ ወይ ካልእ ደረጃ ዘለዎም እንተኾይኖም እቲ ዋጋ ሰማይ ይዓርግ።
ናይዚ ዋጋ ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ክኸውን ይኽእል።
ናይዚ ምኽንያት፡ እቶም ሰለልቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቴክኖሎጂ ስለ ዝጥቀሙ'ዩ ይብሃል።
ኣብ ለንደን እትነብር ስቴፋኒ ስኮት መብዛሕትኦም ናይ ልበወለድ ስራሕታ ኣብ ስለላ ጃፓናውያን ትኹረት ዝገበሩ'ዮም።
"ዋት ኢዝ ሌፍት ኦፍ ሚ ኢዝ ዩርስ" ዝብል መጽሓፍ ኣለዋ። መብዛሕትኡ ታሪኽ እዚ መጽሓፍ ብሰላሊ ታኬሺ ዝተቐትለ ኢሶሃታ ትኹረት ዝገበረ'ዩ።
ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ ሰላሊ ምቑጻር ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንዘጋጥም መወዳእታ ዘይብሉ ዘይምርድዳእን ፍትሕን ክሓጽር እዩ ዝገብር ትብል።
ሓንቲ ኣብ ልዕሊኣ ሰላሊ ዝተቖጸረላ ጓል ኣንስተይቲ እቲ ሰላሊ ተሳኺዕሉ ፍቕሪ እንተትሒዙዋ፡ ፍትሕ ክትሕተት እንከላ ደስ ኢሉዋ ትቕበሎ።
እንተዘይኮይኑ ግን ኣብታ ሃገር ፍትሕ ብቐሊሉ ኣይፍጸምን።
መስርሕ ፍትሕ ክደናጎ ከሎ ድማ ሰብ ሓዳር ብስምዒት ይጉድኡን ህይወቶም ይመዛበልን። ግን ድማ ኩል ግዜ ሰለልቲ ፍትሕ ንከሳልጡ ብዝብል ኣይኮኑን ዝቑጸሩ።
ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ሰብኣያ ክትጎድኦ ክትደሊ ከላ ኾነ ኢላ ሰላሊት ቖጺራ ፍቕሪ ክትሕዞ ትገብር እሞ፡ እታ ሰላሊት መንነታ ከይገለጸት ሃንደበት እቲ ርክብ ክቋረጽ ብምግባር ስምዒት ንክጉዳት ትገብር።
ብተመሳሳሊ 'ሰበይተይ ኣሕሪራ ክትቀትለኒ ደልያ'ያ' ዝበለ ሰብኣይ ደረቱ ዝነፍሐ ጃፓናዊ ሰላሊ ይቖጽር።
እቲ ሰላሊ ድማ ኣብ ዝእቶ ኣትዩ ነታ ሰበይቲ ብፍቕሪ ክትትሓዝ ይገብር፤ ፍቕር'ውን የጀምራ።
ድሕሪኡ፡ ስምዒታ ንክጉዳእ ሃንደበት ኩሉ ነገር ገዲፈዮ እየ ኢሉ ጠንጢኑዋ ይዕዘር። ከምዚ ብምግባሩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝኽፈል።
"እዚ ቀሊል ኣይኮነን፤ ሓደ ናይ ስለላ ስራሕ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ"ይብል ሞቺዙኪ።
እዞም ሰለልቲ መብዛሕትኦም ብሕጊ ዝሰልጠኑ'ዮም። ስርሖም ክሰርሑ ከለው ናይታ ሃገር ሕጊ ኣይጥሕሱን።
ንኣብነት፡ ምፍርራሕን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ምብጻሕን ኣይፍቀድን።
ከምዚ ዝገብሩ አንተሃልዮም እቲ ዝቖጸሮም ትካል ስለላ ሓዳር ይሰጎም'ዩ።
እቲ ዓብዪ ጸገም ካብ ስራሕ ክስጎጉ ከለው ብዘይሕጋዊ መገዲ ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ምህላዎም'ዩ።
እዞም ዘይሕጋውያን ሰለልቲ ሓዳር፡ እቲ ቀይሕ መስመር ዝብሃል'ውን ዝሓለፉ'ዮም።
ንኣብነት፡ ምስታ ዝስልሉዋ በዓልቲ ሓዳር ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ እናፈጸሙ ብቪድዮ ክቕዳሕ ብምግባር ንበዓል ቤታ ኣሕሊፎም ይህቡዎ።
እዚ በዓል ሓዳር ወይ መጻምድኻ ምስላል ኣብ ባህሊ ጃፓን እቲ ብጣዕሚ ዘሕፍር ተግባር እዩ። ሰባት ብዝኾነ መገዲ ምስዚ ተግባር ከይተኣሳሰሩ ድልየት የብልናን እንተበሉ'ውን እቲ ኣገልግሎት ግን ይፈትውዎ'ዮም።
ኣብ ጃፓን ፕሮድዩሰር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝኾነት ኒሺያማ "ኣብ ጃፓን ንኹሉ ነገር ዝኸውን ዕዳጋ ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ንኣብነት፡ ሙሉእ ስድራቤት ሓሶት ክትካረ እንተደሊኻ ይክኣል'ዩ።
ዋንኡ ገንዘብ'ዩ።