እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ምፍራስ ሓዳር ጠንቁ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሴ ምስ በዓል ገዝአን ኣይተ ገብረክርስቶስ ኣብ ሓዳር 50 ዓመት ሓሊፍዎም ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ምስ ትሸዓተ ደቆምን 17 ደቂደቆምን መበል 50 ዓመት ሓዳሮም ኣኽቢሮም።
ኣብ ሓዳሮም ንፍርቂ ክፍለዘመን ክቕጽሉ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት "ኣብ ሞንጎና ምክእኣል ስለዝነበረ'ዩ" ይብላ።
በዓል ገዝአን "ጥፍኣት ዘየጥፍአ ኮይኑ ኣይኮነን" ዝብላ ወይዘሮ ኣበባ፡ ህድእ ኢለን ንነገራት ፍታሕ ክህቡ ምኽኣሎም ሕጉስ ሓዳር ክህልዎም ምኽንያት ከምዝኾነ ይዛረባ።
ከም ሰብ ሓዳር ኮፍ ኢሎም ክረዳድኡ ዝኸብዶም መጻምዲ፤ ቆልዓ ስለዝወለዱ ጥራይ ሓቢሮም ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን፤ ነንሓድሕዶም ዝጠቓቐኑ ሰብ ሓዳር ምርኣይ ዝተለመደ'ዩ።
እዚ ዘይምርድዳእ እናሰፍሐ ብምምጽኡ፡ ሓዳሮም ዝተበተነን ዝመስረትዎ ቤተሰብ ዝፈረሶምን ብዙሓት'ዮም።
እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን?
ትዕግስቲ ዋልተንጉስን እንዳልክ ኣሰፋን፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ጉዳይ ሓዳርን ቤተሰብን ዘማኽሩ ሰብ ሞያ ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ "የእርቅ ማእድ" [መኣዲ ዕርቂ] ብዝብል ኣብ ዝጀመርዎ ብሬድዮ ዝመሓላለፍ መደብ ይሰርሑ ኣለዉ።
እንዳልክ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ ንፍቕርን ሓዳርን ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትዉ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ መጻምዲ ብዛዕባ ፍቕሪ ወይ ሓዳር ዘለዎም ፍልጠት ምንኣስ'ዩ።
ትዕግስት ብወገና "ሓዳር ዝጅምር ንነብስኻ ብምርኣይ እዩ" ብምባል፡ ንመጻምድኻ ቅድሚ ምርኣይ ንነብስኻ ምፍታሽ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ትገልጽ።
ምድኻም ቁጠባዊ ዓቕሚ፣ ፍልልይ ባህሊ፣ ኣተሓሳስባን ደረጃ ትምህርትን፡ ንሓዳር ወይ ንፍቕሪ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት'ዮም ይብል፡ እንዳልክ።
ብፍላይ ኣብ ሞንጎ'ቶም መጻምዲ ዘሎ ጸገም ምርድዳእ መንቀሊ ጎንጽታት ክኽኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።
ወይዘሮ ኣበባ "ንሓሞይን ሓማተይን ከም ስድራይ ስለዝተቐበልኩን ሕጉስቲ ብምንባረይን፡ ሓዳረይ ዝሰመረ ክኸውን ሓጊዙኒ" ይብላ።
ምስ በዓል ገዝአን ናብ ጎንጺ ዝኣተዉሉ እዋን ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ ነዚ ከኣ ብምክእኣል ከምዝሰገርዎ ይዛረባ።
ነብስኻ ምርኣይ
ትዕግስት ንሰብ ሓዳርን ቤተሰብን ክተማኽር ከላ ዘስተብሃለትሉ ሓደ ዓብዪ ጉዳይ፡ ክልቲኦም መጻምዲ ንነብሶም ዝህብዎ ግምት'ዩ።
ክልቲኦም "መልኣካዊ" ባህርይ ከርእዩ ከምዝፍትኑ ትገልጽ። ጸገማት ከኣ ብግዜ እናማዕበሉ ይኸዱ።
"ናብ ሓዳር ዝኣትዉ ሰባት ንጅቡኦም ወይ ናይ ባንኪ ሒሳብ ይርእዩ እዮም" እትብል ትዕግስቲ፡ ልክዕ ከምኡ ንነብሶም ዘለዎም ኣራኣእያን እምነትን'ውን ክፈትሑ ከም ዝግባእ ትሕብር።
እንዳልክን ትዕግስትን ነቶም ኣብ ሓዳር ወይ ፍቕሪ ብተደጋጋሚ ንዘጋጥሙ ጸገማት ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህቡ ኣካላት ዘይምህላዎም ከም ጸገም ይገልጽዎ።
ወይዘሮ ኣበባ'ውን፡ 'ኣማኻሪ እንተዝህልዉ' ኢለን ከምዝሓስባ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ-መሕትት ተዛሪበን።
መጻምዲ ቅድሚ ናብ ሓዳር ምእታዎም ብዛዕባ ክምስርትዎ ዝደልዩ ቤተሰብ፣ ሸቶ፣ ክብርታትን ካልኦት ጉዳያትን ኮፍ ኣቢሉ ዘማኽር በዓል ሞያ ዘይምህላዉ፡ እቶም ናብ ሓዳር ዝኣተዉ ሰባት ንዘጋጥምዎም ጸገማት በይኖም ክቃለስዎም ይገብር።
ሓዳር ዝሰመረ ክኸውንን ፅኑዕ ሰረት ቤተሰብ ክኸውንን፡ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ክህልዎ ኣለዎም ይብሉ ክልቲኦም ሰብ ሞያ።
ወይዘሮ ኣበባ'ውን ብዛዕባ ሓዳር እኹል ግንዛበ ንምርካብ፡ ቅድምኤን ሓዳር ካብ ዝገበሩ ወለደንን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን እናሓተታ፡ ፍልጠት ንምርካብ ይፍትና ምንባረን ይዛረባ።
ናብ ማሕበራዊ ትካላት፣ ባህላዊ ዋኒናት ዝፍጸመሎም ማሕበራት፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታትን እኖታትን፡ ከምኡ ድማ ትካላት [ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህባ] ምኽያድ ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ እንዳልክ ይገልጽ።
ፈተናታት ሓዳር
ትዕግስቲን እንዳልክን፡ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘቑጸረ ናይ ምምኻር ስረሖም፡ ንኢትዮጵያውያን መጻምዲ ዘጸገሙዎም ጉዳያት ተዓዚቦም እዮም።ዘይምትእምማን፣ ዘይምርድዳእ፣ ናይ ቤተሰብ ኢድ ኣእታውነት፣ ንነብስኻ ትሑት ግምት ምሃብ፣ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ዘይምርድዳእን፡ ጸገም ኣብ ዘጋጥሞም ሰብ ሓዳርን ቤተሰባትን ዝረኣዩ መሰረታዊ ጸገማት ከምዝኾኑ ትዕግስቲ ትዛረብ።እንተኾነ እቶም ጸገማት ካብ መሰረት ንምፍታሕ እንትፍተን፡ እቶም መጻምዲ ንርእሶም ዝህብዎ ግምት ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ትገልጽ።
ብተወሳኺ እቶም ብላዕላይ ጸገማት መሲሎም ዝረአዩ ምኽንያታት ምልክታት እምበር፡ እቲ ሕማም ባዕሉ ከምዘይኮነ ትገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ሓዳር ገሊኡ ንባዕሉ 'ብቑዕ እየ' ዝብል ዝሓለፈ ግምት ዘለዎ እንትኾን፡ ገሊኡ ድማ ብምሒር ምንኣስ ዓርሰ እምነት 'ብቑዕ ኣይኮንኩን' ኢሉ ዝኣምን እዩ እትብል ትዕግስቲ፡ ''እቲ ብቑዕን ተፈታውን ኣይኮንኩን ኢሉ ዝኣምን ነቲ መጻምዱ ኣይሰምዖም'' ብምባል ናይቲ ዘይምርድዳእ መሰረት ምርኣይ ከምዘድሊ ትመክር።
ስለዚ ድማ መጻምዲ ብዛዕባ ባዕሎም ዝስመዖም ስምዒት፡ እንታይ ከምዝኾነ ምጽናዕን ምፍታሽን ቀዳማይ ተግባር እንተዝኸውን ትብል።
ንባዕሎም ትሑት ግምት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓዳሮም ነዳዳት፣ ዓውዓው ዝብሉ፣ ንዝኾነ ነገር ተቐዳዲሞም መልሲ ዝህቡን፡ ኩሉ ይፈልጥ እየ ዝብሉ ስለዝኾኑ ንመጻምዶም ኣጸገምቲ ከምዝኾኑ ትዕግስቲ ትገልጽ።
እንዳልክ ብወገኑ ''ፈተናታት ሓዳር ብዙሓት'ኳ እንተኾኑ፡ ጸገማት ኩሉሻብ መፍትሒ ከምዘለዎም ምርዳእ፡ መጻምዲ ክርድኡዎ ዘለዎ ፈላማይ ነጥቢ እዩ'' ይብል።
ከምኡ'ውን ተጓይኻ ሓዳር ካብ ምፍራስ፡ ግዜ ሂብካ ጸገምካ ምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ይሕብር።
ጸገሞም ባዕሎም ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም ድማ፡ ንሳልሳይ ወገን ዕድል ክህቡ ከምዘለዎም ዝገልጽ እንዳልክ፡ ሰብሞያ ምምኻር ሓዳር፣ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብዕድመ ዝበሰሉ ሰባትን ንመሰል ጸገማት መፍትሒ ከምዝኾኑ ይሕብር።
ኣብ ሓዳር ምስተኣተወ መዓልታዊ ምጉናጽ ተፈጢሩ፡ ምድፍፋር ምጽራፍን እንትመጽእን ዝሃነጽካዮ እንትፈርስን፡ '' ናብ ናይ ሓዳር ካዝና ዝነበረ ፍቕሪ ምውድኡ'' የርእየና ይብል እንዳልክ።
ኣብ ዝኾነ ሓዳር ዝፍጠሩ ጸገማት ክኢልካ ምንባር ዝከኣል፡ እቶም መጻምዲ ኣብ ጽቡቕ እዋን ዝኣከብዎ ፍቕሪ ስለዘሎ ምዃኑ ክልቲኦም ሰብሞያ ይገልጹ።
''ናይ ፍቕሪ መኽዘንኩም እንተጎዲሉ፡ ከም ብሓዱሽ ብፍቕራዊ ስምዒት ብምቅርራብን ፍቕርኹም ብምግልላጽን፡ ሓዳርኩም ምሕዳስ'' ከምዘድሊ ትዕግስቲ ትዛረብ።
ብሓዳር ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ነብሶም ወጺኦም ከምዘይተሓፋፈሩ፡ ብስምዒት 'ውን ጥራዮም ክኾኑ ከምዘለዎም እትገልጽ ትዕግስቲ፡ ሚስጥር ዝሕዙን ዝተሓባብኡን እንተኾይኖም ግን፡ ንጎንጺ ዝኸውን መዳበርያ ከም ምውሳኽ ምዃኑ ትገልጽ።
እንተኾነ ክንድዚ ግልጽነት ብሓደ ግዘ ዝመጽእ ከምዘይኮነ ትዛረብ።
ሓበራዊ ራእይ ሰብ ሓዳር
መጻምዲ ብታሕጓስን ጓይላን ምስተመርዐዉ፡ ሓዳር ድሕሪ ምግባር፣ ቆልዑ ምውላድ፣ ገዛ ምስራሕን ካልኦት ዘድልይዎም ነገራት ምምላእን፡ ''ነንባዕሎም ፍቕሮም ምግላጽ ይርስዕዎ እዮም'' እትብል ትዕግስቲ፡ መፍትሒኡ ሓበራዊ ራእይ ምቕማጥ እዩ ትብል።
ከምቲ ሓደ ሰብ ናይ ውልቅኡ ዕላማ ዘለዎ፡ ኣብ ሓዳር 'ውን ሓበራዊ ትልሚ፣ ተግባርን ራእይን ምቕማጥ ኣድላዪ ከምዝኾነ ትገልጽ።
''ሓበራዊ ትልሞም ገዛ ምስራሕ እንተኾይኑ፡ ገዛ ጥራይ እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ስምዒቶም ግን ኣይሰርሑን። ሓበራዊ ድልየቶም መኪና ምግዛእ እንተኾይኑ፡ መኪና እዮም ዝገዝኡ እምበር ኣብ ቤተሰቦም ኣይሰርሑን'' ትብል።
እቲ ዝምስርትዎ ቤተሰብ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ብመዳይ ስምዒት፣ ቁጠባን ምስቲ ዝነብርሉ ማሕበረሰብ ዝህልዎ ርክብ፡ ከመይ ኣጠዓዒሞም ከምዝኸዱ እንድሕር ዳኣ ዘይተሊሞም ክሳራ ከምዝኾነ ትዛረብ።
ብተወሳኺ ሓበራዊ ትልሚ እንተውጽኡ፡ ደቆም ከመይ ከምዘዕብዩ፣ ነንሓድሕዶም ከመይ ከምዝተሃናነጹ እንተዘይተዘራሪቦም፡ ቁሳዊ ሃብቲ ጥራይ ነቲ ሓዳር ብኽልተ እግሩ ደው ከምዘየብሎ ትገልጽ።
ክሳብ መዓዝ ለበዋ?
ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ሓዳር ምቁርን ሰቲ ብሰቲ ዝተነስነሰን ምዃኑን፡ ትሕብር ትዕግስቲ፡ "ኣቐዲመኩም ንርእስኹም ርኸቡ" ኢልካ ንመርዑት ምምዓድ፡ "ይትረፍ ንርእሰይ፡ ንበዓል ቤተይ'ውን ረኺበ እየ ፡ ናብ ዝብል መልሲ ከምርሕ ከምዝኽእል ትሕብር።
"ቅድሚ ትምህርቲ ቅድመ ሓዳር፡ ክንጥፈሎም ዝግብኡና ንጥፈታት እንተዝህልዉ ይቐልል፡ "ቖልዑ ኣብ እዋን ንእስነቶም ብዛዕባ ዓርስኻ ምርካብ ፤ፍቕራዊ ርክብን መጻምዲ ሓዳርን፡ ዝምዕዶም እንተዝህልው ምሰለጠ ትብል ትዕግስቲ፡፡
እንዳልክ ብወገኑ፡ እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኮነ፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እንተዝህሉ፡ ጥዑይ ስድራ ንምምስራት ከምዝሕግዝ ይዛረብ፡፡
ቅድሚ ምምርዓወን ወሊደን፡ ኣብ ቤተን ኮይነን ቆልዑ ንምዕባይ ዝተሰማምዓ ኣንስቲ፡ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ሰበይተይ፡ ስራሕ ኣቋሪጻ ቆልዑት ተዕብይ ዝብል ሰብኣይን፡ ዘይምቅዳው ዝፍጠር፡ ፈለማ ዕላማ ህይወቶም እንክውስኑ ብግልጺ ስለዘየቐመጡ ምዃኑ፡ ትዕግስቲ ተረድእ፡፡
"ክመሃር እየ፣ ኣብ ገዛ ምስ ቆልዓ ምውዓል ሃዊኹኒ፣ ክመሃር ሕልሚ ነይሩኒ"ዝብሉ ዛዕባታት ዝስዕቡ፡ ፈለማ ብእርይ ቁጽር ዝተቐረጸ ክብሪ ሂወት ምስዘይህሉ ምዃኑ ትገልጽ፡፡
እዚ ኣብ ሞንጎ መጻምዲ ቀዲሙ ክህሉ ዝግባእ እሂን ምሂን፡ ድሕሪ ሓዳር እንተድኣ መጽዩ ግን፡ መጻምድኺ ድሕሪ ግዜ ዘምጻእኽዮ ባህሪ ኮይኑ ስለዝስምዖ፡ መንቀሊ ጎንጺ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል፡ ትዕግስቲ።
መጸምዲ፡ እንክመራዐው ምዝታይ ዘይኽእሉ፣ ዘይልወጡ፣ ሂወቶም፡ ካብ ክብርታቶም ወጻኢ ሕጉስ ዘይኮነሉ ዛዕባ ክህሉ ከምዝኽእል ትዛረብ ትዕግስቲ፡ ነዚ ነጺሮም ዘይተገንዘቡ መጻምድቲ፡ ናብ ሓዳር ኣትዮም ዘየሐጉሶም ነገር እናፈጸሙ ምስዝነብሩ፡ ካብ መጻምዶም ሕቶ ምልዓል ከምዝጅምር ትሕብር፡፡