እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ኬንያ ድሕሪ ፍትሕ ማዕረ ምምቓል ንብረት ኣትሪፍዎ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከንያ ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ንዝተጻመዱ ሰብ ሓዳር ድሕሪ ፍትሕ ፡ ብሓባር ንዘጥረይዎ ንብረት ጥራሕ፡ ማዕረ ክማቐልዎ ዘኽእል ሕጊ ንኽቕይር ንዝቐረበሉ ሕቶ ፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ነጺግዎ።
ክኢላታት ሕጊ ማሕበር ፈደሬሽን ደቂኣንስትዮ ብወገነን ፡ እዚ ሕጡብ ሕጊ፡ ኣንጻር ሕገ-መንግስቲ'ዩ ብምባል ተጻመድቲ ፈረቓ ናይ ምምቓል መሰል ክህልዎም ይጠልባ።
ነቲ ውሳነ ዝሃበ ዳኛ ጆን ማቲቮ "ኣብ እዋን ፍትሕ ሰባት ካብ ዘይናቶም ሒዞም ክኸዱ ኣይግባእን" ይብል።
እዚ ዝወሰነ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ ቤት ፍረዲ ከንያ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ዝፋትሑ ተጻመድቲ ጉዳይ ኣብ ዝራኣየሉ እዋን፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ መጻምድታ ካሕሳ ክውሃባ ወይ'ውን ንብረት ክምቐላን ንዝበል ጉዳይ ድሕሪ ምስምዑ'ዩ፡ "እዚ ጉዳይ ስድራቤት ብምዃኑ ነዚ ክውስን ሕጋዊ ስልጣን የብለይን" ክብል ድማ ኣስሚሩሉ።