ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ኣቕሽሽቲ 'ክምርዓው' ተፍቅድዶ ትኸውን?

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ካህናት ካቶሊክ፡ ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዕጫ እታ ቤተክርስቲያን ንክመያየጡ ኣብ ኣማዞን ክእከቡ'ዮም።

ንዝቕጽሉ ሰለስተ ሳምንታት ድማ፡ 260 ዝኾኑ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዛዕባታት ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ስደትን ወንጌላውነትን ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ይኹን'ምበር፡ ሓደ ዛዕባ፡ ርእሰ ዜና ማዕኸናት ሓበሬታ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ዝተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣቕሽሽቲ ይኹኑ'ዶ? ዝብል'ዩ።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣማዞን፡ ዓበይቲ ኾኑ ዝተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ ክህነት ክለብሱ ኣለዎም ዝብል እማመ (ረቂቕ) ሓሳብ ኣብቲ ኣብ ኣማዞን ዝካየድ መድረኽ ክቐርብ'ዩ።

ብመሰረት እቲ ረቂቕ፡ ብዕድመ ዝዓበዩ፣ በቲ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎምን ደቂ ኣባትን ዝኾኑን ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ንምስራሕ ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣለዎም።

ነቲ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ዞባ ኣማዞን ዘሎ ሕጽረት ኣቡናት ንምፍታሕ፡ ዝሕግዝ'ዩ ብዝብል ድማ እዚ ምኽረ ሓሳብ ዝድግፉ ኣለው።

ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ቁርባን [ንምእመናን ስጋ ወደሙ ናይ ምቕባል ስርዓት]፡ ኣቕሽሽቲ'ዮም ዝፍጽሙዎ።

85 ሚኢታዊት ከባቢታት ኣማዞን ግን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ስርዓት ቤተክርስቲያን ክፍጽማ ኣይክኣላን። ገሊአን ድማ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ቀሺ ይርእያ።

ብእምነት ካቶሊክ፡ ኣቕሽሽቲ ካብ ስጋዊ ርክብ ምግዳብን ዘይምምርዓውን፡ ቁልፊ ረቋሒ'ታ ቤተክርስቲያን'ዩ።

ቀሺ ንእግዝኣብሄር'ዩ ክምርዖ ዘለዎ፡ ካልእ፡ ዓለማዊ ህይወቱ ኮነ በዓልቲ ቤት ወይ ስድራ ከይበለ፡ ህይወቱ ንፈጣሪኡ ክህብ ይግባእ ብዝብል፡ እታ ቤተክርስቲያን፡ መርዓ ንኣቕሽሽቲ ትኽልኽል።

ኪኢላ ስነ ልቦና ሃይማኖት ዝኾነት ፕሮፌሰር ሊንዳ ውድሁድ፡ ኣቕሽሽትን ፈለስትን ካቶሊክ፡ ካብ ስጋዊ ርክብ ተኸልኪሎም፡ ኣብታ ቤተክርስቲያን ኮይኖም ንኸገልግሉ፡ ወጻኢታቶም እናተሸፈነ ናይ ፈለስቲ ህይወት ክነብሩ ይግደዱ ትብል።

ምእመናን ኣብ ዝደልዩዎ ሰዓት ኣገልግሎት ንምሃብ፡ ዓርሶም ድሉዋት ክገብሩ ከም ዘለዎም'ውን እታ ቤተ ክርስቲያን ትእዝዝ።

እዚ ንጀርመናዊ ካርዲናል ዋልተር ብራንድ ሙለር ዝወሓጥ ኣይኮነን። "እታ ቤተክርስቲያን ገዛእ ርእሳ ተጥፍእ'ያ ዘላ" ክብል ይቃወሞ።

ኣብ ኣማዞን ካህናት ክምርዓው ዝፍቀደሎም እንተኾይኑ፡ ስለ ምንታይ እተን ካልኦት ዘይፍቀደለን? ብዝብል ድማ፡ ናይታ ቤተክርስቲያን ሱር በተኽ ለውጢ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዝረብ።

ገሊኦም እታ ቤከትርስቲያን ተርእዮ ዘላ ትካለዊ ለውጢ'ዩ እንትብሉ፡ ብፍላይ ምስ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ተኣሳሲሩ ተመሓይሽ እያ ዘላ ይብሉ።

ካህናት ክምርው'ዶ ይኾኑ?

ሕጂ'ውን፡ ዝተመርዓው ካህናት ኣለው'ዮም።

ተኸተልቲ እምነት ኣንገሊካን ዝኾኑን ናብ ካቶሊክ ዝቐየሩን ዝተመርዓው ኣቕሽሽቲ፡ መዓርጎም ኣይተኸልኡን።

እዞም ኣቕሽሽቲ፡ ኣብ ውሽጢ እምነት ኣንጌሊካን፡ ጓል ኣንስተይቲ ቀሺ ምስ ምፍቃዶም ተኣሳሲሩ ዝመጽአ'ዩ።

ኣብ ኣማዞን ዘለው ኣቕሽሽቲ ካቶሊክ፡ ሓዳር ክገብሩ እንተድኣ ተፈቒዱሎም፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት'ውን ተመሳሳሊ ክኸውን ከም ዝኽእል'ኳ እንተተገልጸ፡ ገሊኦም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ፈሊኻ ምፍቃድ ይከኣል'ዩ ይብሉ።