ኮሮናቫይረስ፡ ን63 ዓመታት ኪዳኖም ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓደ መዓልቲ ሞይቶም

"ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር" እናተባህሉ ዝግለጹ ን63 ዓመታት ኪዳኖም ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ብኪሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም ኣብ ሓደ መዓልቲ ሞይቶም።

እዞም ክልተ መጻምድቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምስ ተረጋገጸ ኣብ ሳውዝሃምፕተን ሓፈሻዊ ሆስፒታል'ዮም ዝእለዩ ነይሮም።

ኣቶ ቢል ዳርታል ወዲ 90 ዓመት ኮይኑ እታ ጓል 81ዓመት ሜሪ ዝተብሃለት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ዓረፈት ድሕሪ ስዓታት'ዩ ንሱ'ውን ዓሪፊ።

ሮዝሜሪ ፍረ ብርኪ እዞም ክልተ መጻምድቲ ኮይና፡ ኣቡኣ ሞት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ሰመዐ ነቲ ዝውሃቦ ዝነብረ ሓገዝ ናይ ኦክስጅን ከም ዝተሓሰሞ'ያ ትገልጽ።

ሮዝሜሪ ብምስዓብ "ባባ ድሕሪ ማማ ናይ ምንባር ድሌት ኣይነበሮን" ትብል።

እዞም ክልተ መጻምድቲ ክሳብ ቢል ዳርትነል ውቅዒ ልቡ በርቲዕዎ ናብ ሆስፒታል ብሓባር ዝኣትዉ፡ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ሆሊደይ ኢን ሆቴል እዮም ነይሮም።

ቢል ዳርትኔል ናብ ሆስፒታል ከይዱ ምስ ተመርመረን ግን፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኪፉ ጸኒሑ ብዓልቲ ቤቱ ሜሪ'ውን ብተመሳሳሊ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዋ።

እዞም መጻምድቲ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ሓደ 'ዋርድ' እዮም ደቂሶም ነይሮም። ቢል ብዓልቲ ቤቱ ከምዝዓረፈት ምስ ፈለጠ፡ ድሕሪኣ ናይ ምንባር ሸውሃት ኣይነበሮን፡ ነቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝውሃቦ ዝነበረ ኦክስጂን ምጥቃም ተሓረሞ።

ምሕጽንታ ሓካይም'ውን ክሰምዕ ኣይከኣለን፡ ድሕሪ ሰዓታት ሞት ብዓልቲ ቤቱ ኸኣ ብሰላም ዓሪፉ ትብል ሮዝሜሪ።

ሮዝሜሪ ብምስዓብ "ፍሉያት መጻምድቲ'ዮም ነይሮም ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም፡ ናብራኦም ኩሉ ኣይኮነን ጥጡሕ ነይሩ፡ ንኹሉ ግን ብሓባር ይሰግርዎ ነይሮም ብሓባር ኸኣ ገዲፊሙና ከይዶም"።

" ኣቦኻን ኣዴኻን ብሓደ ክፍለዩኻ (ክሞቱኻ) እቲ ሓዘን ቀሊል ኣይኮነን፡ እቲ ዝኸፈአ ግን ኣብ እዋን ሞቶም ነዘን የእዳዎም ሒዝካ ኣብዛ ጎኖም ዘይትኾነሉ ስለዝኾነ ነቲ ሓዘን የብእሶ" ትብል ሮዝሜሪ።

ኣን እውን ጓሎም ነዞም መጻምድቲ ኮይና ወለዳ "ዘይከኣል የለን" ዝብል መትከል ይኽተሉ ከምዝነበሩ ትገልጽ።

ወለዳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ባናና ተመላልስ ጃልባ ቅድሚ ምዕዳጎም፡ ንትቦታት መውጽኢ ትኪ ኣብ ዘጽሪ ትካል ይሰርሑ ምንባሮም ትገልጽ።

" ኣቦይ ኣብ መለእ ሳውዝሃምተን ኣብ ውሽጢ ትቦታት ኣቲኻ ኣብ ዝግበር ናይ ጽሬት ስራሓት ዝወዳደሮ ኣይነበረን" ከኣ ትብል።

እዞም መጻምድቲ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዝነበሩ ስራሕ ኣቋሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሶም ኣብ ስራሕ ምርባሕ ንህቢ'ዮም ተዋፊሮም።

ቢል ዳርትኔል ፕረዚደንት ማሕበር ኣራባሕቲ ንህቢ ዓባይ ብርጣንያ'ዩ ነይሩ፡ ኣብ እዋን ፕረዝደንትነቱ ከሚካል ዝተሓወሶ መድሃኒት ኣብ ኣናህብ ሃስያ ስለዘስዕብ፡ መንግስቲ ደው ከብሎ ኣብ ዝገበሮ ጎስጓስ ዓወት ኣመዝጊቡ'ዩ።

እዘን ክልተ የሕዋት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ምስ ተለዓለ ንወለደን ፍሉይ ናይ 'መዘክር' መደብ ከካይዳሎም ቀዳማይ ውጥነን ገይረን ኣስፊረነኦ ኣለዋ።