ኣብ ፈረንሳይ ምስ ዝተሰየፈ መምህር ብዝተኣሳሰር ኣርባዕተ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ንተምሃሮኡ ናይ ነብዪ መሓመድ ኣካታዓይ ካርቱን ዘርኣየ መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝተቐትለ ዝዝከር እዩ።

ምስዚ ገበን ተኣሳሲሩ፡ 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኾይኖም፡ ካብ መንጎኦም ኣርባዕተ ተምሃሮ ይርከብዎም።

እቶም ካልኦት ድማ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ናይቲ ቀታሊ፣ ሓደ ወላድን ጥሩፍ እስላማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብን ይርከብዎም።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ዛጊድ ንልዕሊ 40 ጊዜ ጥሒሱ ናብ ገዛ ብምእታው ምርመራ የካይድ ኣሎ።

እቲ መስካሕኽሒ ቅትለት ኣብ ፈረንሳይ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።

ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ፈረንሳውያን ነቲ ዝተቕተለ ወዲ 47 መምህር ብሰላማዊ ሰልፊ ዘኪሮምዎ እዮም፤ ንሓሳብ ናጽነት ድማ ድጋፎም ኣርእዮም።

ኣብ መጻኢ ረቡዕ ድማ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦነ ናይ መዘከርታ መድረኽ ክዳሎ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ነቲ መምህር ዝቐተለ ወዲ 18 ዓመት ኣብዱላኽ ኤ፡ ሽዑ ንሸኡ ብፖሊስ ተቐቲሉ እዩ።

ዛጊድ እንታይ ይፍለጥ ?

ኤኤፍፒ ከምዝጸብጸቦ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣርባዕተ ተምሃሮ እቲ ግዳይ ነቲ ቀታሊ መንነቱ ዝሓበሩ እዮም።

እቲ ወኪል ዜና፡ ምንጪ ቤት ፍርዲ ጠቒሱ ከምዝበሎ፡ እቶም ተምሃሮ እዚ ንክገብሩ ገንዘብ ተኸፊልዎም ከምዘኾነ እዩ ዝንገር።

ነዚኦም ሓዊሱ፡ ምስቲ ገበን ተኣሰሲሩ ዛጊድ 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ናይቲ ቀታሊ ኣቦሓጎ፣ ሰድራን፣ ወዲ 17 ዓመት ንእሽቶ ሓው ካብ መንጎ እቶም ዝተኣሰሩ እዮም።

ሓደ ካብቶም እሱራት፡ ኣቦ ተምሃራይ እቲ ቤት ምህርቲ ኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መምህር ግልጺ ዝኾነ ጎስጓስ ዝኸፈተ እዩ።

ሓለፊ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቲ ኣቦ ኣብ ልዕሊ እቲ መምህር ‘ፋትዋ’ [ቅትለት] ከምዝኣወጀ ገሊጹ።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነቲ ቅትለት ደጊፎም ሓጎሶም ዝገለጹ 80 ሰባት ምርመራ የካይድ ዘሎ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ልዕሊ 51 ናይ ሰለሊም ማሕበራት ጽልኣት ይነዝሑ ነይሮም ብዝብል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ገለ ከምኡ ዝገበሩ እንተረኺቡ፡ ብሕጊ ክዕጸው ምዃኖም ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ መምህር ንምንታይ እዩ ተጠቒዑ?

መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ነቲ ‘ዘይግቡእ’ ካርቱን ነብዪ መሓመድ ንተምሃርኡ ኣብ ክፍሊ ካብ ዘርኢ ጀሚሩ ምፍርራሓት ይበጽሖ ነይሩ እዩ።

እዚ ናይ ታሪኽን ናይ ጂኦግራፍን መምህር፡ ቅድም ክብል’ውን ከምኡ ዓይነት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ምህሮ ኣመሓሊፉ ምንባሩን፡ ብዚ ዘይተሓጎሱ ሙስሊም ተምሃሮ ክፍሊ ገዲፎም ክወጽኡ ሓቲቱ ከምዝነበረን ይዝረብ።

ብኣስተምህሮ እስላም፡ ንነብዪ መሓመድን ኣላህን ብስእሊ ምግላጽ ፍጹም ነውሪ እዩ።

ብፍላይ ድማ እዚ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ምስቲ ቅድም ክብል ኣጋጢሙ ዝነበረ ተጓንፎ ዘሰክፍ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ 2015፡ 12 ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን ሓደ ናይ ነብዪ መሓመድ ካርቱን ሓቲሙ ዝዘርገሓ መጽሄት፡ ብጥሩፋት እስላም ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ገለ ሰዓብቲ እስልምና፡ ብሰንኪ ሃይማኖቶም መጥቓዕቲታት ከምዝበጽሖም እዮም ዝገልጹ።

እቲ ቀታሊ፡ ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝተወልደ ኾይኑ፡ እቲ ግዳይ ንገዝኡ እንተምርሕ ተኸታቲሉ ኣብ መገዲ ብኻራ እዩ ክሳዱ ቆሪጽዎ።