እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህፃውንቲ ዝመረዘት ቻይናዊት መምህር ብሞት ክትቕጻዕ ተፈሪዳ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ንጉሆ እዩ፡ ኣብ ከተማ ጃውዝዎ መዋእለ ህፃናት፤ ተምሃሮ ንቁርሲ ዝተመደበሎም መግቢ ምስ በልዑ፡ ኣብ ፃት ብህፁፅ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። መምህር ዋንግ ዩን ድማ ተኣሲራ።
ቤት-ፍርዲ ከምዝሓበሮ፡ ምስ ምትሓት ውጽኢት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መሳርሕታ ሕነ ንምፍዳይ ብምሕሳብ'ያ፤ እታ መሳርሕታ እትምህሮም ህፃናት ኣብ ዝምገብዎ ቁርሲ ሶድየም ናይትሬት ዝሓወሰት።
በታ ውልቀ ሰብ ዝተፈጸመ ገበን ኣዝዮም ከቢድቲ ሳዕቤናት ከምዘውረደ ዝሓበረ ቤት-ፍርዲ፡ ንዋንግ " ክፍእትን እከይን" ክብል ገሊፅዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 27 መጋቢት ዝተፈፀመ እቲ ገበን፡ ንመላእ ቻይና ዘሰንበደን ኣርእሰተ ዜና መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ዝኾነን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ 23 ተምሃሮ ቁርሶም ምስበልዑ፡ ከምልሶምን ውኒኦም ክስሕቱን ከምዝጀመሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፡ ምርመራ ፖሊስ ድማ፡ እታ መምህር ከምዝመረዘቶም ኣረጋጊፁ።
ትማሊ ሰኑይ ከኣ፡ ቤት-ፍርዲ ጃውዝዎ፡ ንዋንግ ብሞት ከምዝፈረዳ ጋዜጣ ግሎባል ታይምስ ፀብፂቡ።
ቤት-ፍርዲ፡ "ምስ መሓዝኣ ኣብ ጉዳይ ኣተኣላልያ ተምሃሮ ድሕሪ ምክታዐን፡ እታ መሳርሕታ እትምህሮም ህጻናት ናብ ዝምገብዎ መግቢ ናይትሬት ሓዊሳ" ምባሉ፡ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።
መብዛሕትኡ ግዘ ስጋ ከይበላሾ ንምዕቃብ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ሶድየም ናይትሬት፡ ብዘይ መጠን ኣብ ረብሓ እንትውዕል ግና መርዛም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዋንግ፡ ሰባት ክትምርዝ ከላ እዚ ፈላማይ ከምዘይኮነ ዝገለፀ ቤት-ፍርዲ፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ቀሊል ጉድኣት ንዝነበሮ ሰብኣያ ብኦንላይን ናይትሬት ብምዕዳግ፡ ከምዝመረዘቶ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞተ ዝተገለፀ ሓደ ቆልዓ ግና፡ ዝተገለፁ ዝርዝር ነገራት ኣይነበሩን።
ዋላ እኳ ቻይና መጠን ብሞት እትቐጽዖም ሰባት ዕላዊ ንምግባር እንተኣበየት፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ግና፡ ቻይና በብዓመቱ ኣሽሓት ሰባት ከምትቐትል እዮም ዝገልፁ።
ውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ነዚ ቅትለት ተግባራዊ ብዝገብሩ ወተሃደራዊ ጉጅለ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።