እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ዕሸል ዝነኣሰ ግዳይ እቲ ሕማም ኮይኑ
ቻይናዊ ዕሸል፡ ድሕሪ ምውላዱ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተረጋጊጹ፤ በዚ ድማ ዝነኣሰ ግዳይ እቲ ሕማም ኮይኑ ምህላው መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ሺንሁዋ ጸብጺቡ።
እቲ ዕሸል ብለካቲት 2 ኣብታ ማዕከል እቲ ለበዳ ዝኾነት ዉሃን ዝርከብ ሆስፒታል እዩ ተወሊዱ።
ኣደ እቲ ህጻን፡ ቅድሚ ምሕራሳ በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ምንባራ እኳ እንተተረጋገጸ፡ ናብቲ ህጻን ብኸመይ ከም ዝተመሓላለፈ ኣይተፈለጠን።
ዛጊት እቲ ሕማም 563 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ 28,018 ሰባት ተለኺፎም ኣለው። ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ህጻናት ግና ኣዝዩ ሒደት እዩ።
ነቲ ዜና ብረቡዕ ዝዘርግሐ ሺንሁዋ፡ እቲ ህጻን ክትትል ይግበረሉ ከም ዘሎን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉን ጸብጺቡ።
ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እቲ ሕማም ካብ ኣደ-ናብ-ዕሸል ኣብ ማህጸን ተመሓላሊፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምቶም ይህቡ።
ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ዉሃን ላዕለዋይ ሓኪም ዘንግ ሊነግኮንግ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኮሮናቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ክሰጋገር ከም ዝኽእል ኣድህቦ ክንገብርን የዘኻኽረና" ኢሉ።
እንተኾነ ግና እቲ ዕሸል ምስ ተወለደ'ውን ካብ ኣዲኡ ተመሓላሊፍዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።
"እቲ ህጻን ኣዲኡ ክትስዕል እንከላ ኣመሓላሊፋትሉ ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ተመራማሪ ስነ-ሕማም ለበዳ ስቲፈን ሞርስ።
ህጻናት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ልሙድ ተርእዮ ድዩ?
እዚ ለበዳ ካብ ዘጋጠመሉ ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጹ ህጻናት ሒደት እዮም። እዚ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተርኣዩ ሳርስን መርስን ዝርከብዎም ለበዳታት ኮሮናቫይረስ ተመሳሳሊ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጆርናል ማሕበር ሓካይም ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ናይቶም በዚ ለበዳ ተለኺፎም ዘለው ሰባት ካብ 49 ክሳብ 56 ኮይኑ ኣብ ህጻናት ሳሕቲ እዩ ተራእዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኣብ 2016 ዘጋጠመ ለበዳ መርስ'ውን ኣብ ህጻናት ብዙሕ ኣይተራእየን።
ኣብ ሲንጋፖር ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ከምኡውን ሓደ ካብ ውሃን ናብ ኣውስትራልያ ዝኸደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት በቲ ሕማም ተታሒዞም ኣለው።
እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወጻኢ ኣብ 25 ሃገራት ኣብ 191 ሰባት ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ዝሞቱ ግን ክልተ ጥራሕ እዮም።
ኮሮናቫይረስ ብርቱዕ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘስዕብ ረስኒ፣ ደረቕ ሰዓል፡ ዝረኣዮ ሕማም እዩ። መብዛሕትኦም በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት፡ ልክዕ ከም ዝኾነ ሰዓል፡ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም እዮም።