ኢትዮጵያዊ መምህር ስዩም ቦጋለ፡ ስለምንታይ ነብሲ ተምሃሮኡ ይሓፅብ?

መምህር ስዩም ቦጋለ ሽድሽተ ጀሪካናትን ክልተ መሕፀቢ ነብሲ ጥስትን ኣለውኦ። ክሳብ ሕዚ ነብሶም ዝሓፀቦም ተምሃሮ ልዕሊ 650 ኮይኖም፡ ሓደ ተምሃራይ ንምሕፃብ 30 ደቒቓ ይወስደሉ።

ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ (ረቡዕን ዓርብን) ናይ 60 ተምሃሮ ክዳውንቲ ይሓፅብ። ፅርየት ተምሃሮኡ ዝተሓለወ ክኸውን ድልየት ስለዘለዎ፡ ሲሶ ናይታ ዝረኽባ ንእሽቶ መሃያ ነዚ ሰናይ ተግባር የውዕላ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ "እንታይ ኣበሳ ስለዘለዎ'ዩ ደፋእፋእ ዝብል?" እናበሉ ይዛረቡ ነይሮም። ድሕሪ ግዜ፡ ነቲ ዕላምኡ ምስተገንዘቡ ግነ "ንደቅና ብኣፍካ እንተመሪቕካዮም እኳስ ምኣኸለ" ክብሉ ናእዳ ከቕርቡሉ ጀሚሮም።

መምህር ስዩም መን'ዩ?

ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ መምህር ክኸውን ከሎ፡ ብ1998 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ካብ ዝምረቕ ጀሚሩ፡ ብመምህርነት እናሰርሐ ይርከብ።

ከምዚ ዝበለ ሰናይ ተግባር ክሰርሕ ዝጀመረ ገና ወዲ 13 ዓመት እናሃለወ፡ ወላዲ ኣቡኡ ብሞት ስለዝተፈለዩ፡ ሓላፍነት ናይቶም ብትሕቲኡ ዝተወለዱ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ካብ ዝስከም እዩ።

"ፍልጠት ሒዞም ንኽዓብዩን ስነ ምግባሮም ዝሓለዉ ንክኾኑን ህይወተይ ከፊለ እየ። ዋጋ ልፍዓተይ ድማ ኣብኣቶም ክርእዮ በቒዐ" ይብል።

ብዕድመ ንዝደኸማ ወላዲት ኣዲኡ ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ፡ ኩሉ ናይ ገዛ ስራሕቲ ይሰርሕ። እዚ ተሞክሮ ነቲ ሕዚ ዝፍፅሞ ዘሎ ሰናይ ተግባር መሰረት ከም ዝኾኖ'ዩ ዝዛረብ።

ኣብታ ካብ ኢዱ ዘይፈልያ ደብተር ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ሕብረተሰብ እናሓተተ ማሕበራዊ ፀገማት ይምዝግብ። ካብ መብዛሕቲኦም ዝረኽቦ መልሲ ድማ "ኩሉ ሰብ ፀገማትና ሓቲቱ፡ ከንፈር ካብ ምምጣጥ ዝሰገረ ፍታሕ ዝሃበና የለን" ዝብል ነይሩ።

ሓደ ዕለት ሓንቲ ተምሃሪት "ክዳነይ ቅዳድ ስለዝኾነ፡ ዝተቐደደ ክዳን ተኸዲነ ናብ ቤት ትምህርቲ ክመፅእ ኣይደልን" ክትብል ዝሃበቶ መልሲ ከም ዘይርስዖ ይዛረብ።

ካብታ ዕለት ንደሓር እንተወሓደ ንኽልተ ቆልዑ ክረድእ ኣብ ውሳነ በፂሑ።

ነታ ተመሃሪት ክዳን ኣስፍዩ ንትምህርቲ ዘድልያ ናውቲ ኣማሊኡላ። ንሳ'ውን ኣብ ትምህርታ ንፍዕቲ ብምዃን፡ ብምህንድስና ተመሪቓ ኣብ ስራሕ ትርከብ።

"ወለዶ እናደኸመን እናሰነፈን ይመፅእ ዘሎ ንሕና ብዘጥፋእናዮ ጥፍኣት'ዩ" ዝብል መምህር ስዩም፡ ነዚ ፍታሕ ዝበሎ፡ ሓጋዚ ንዘይብሎም ህፃናት ምርዳእን ፅርየቶም ምሕላውን፤ ከምኡ ድማ ፅፈት ትምህርቲ ክሕለው ምግባር እዩ።

መምህር 7ይን 8ይን ክፍሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተምሃሮ ፊደላት እንግሊዝኛ ዝኾና 'G' ን 'J' ን ንምፍላይ ክፅገሙ ተዓዚቡ።

'ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ወለዶ ነፍርይ?' ብዝብል፡ ካብቲ ዘምህረሉ ዝነበረ ደረጃ ክፍሊ ናብ ታሕቲ ብምውራድ፡ ቀዳማይ ክፍሊ ከምህር ከም ዝደልይ ሕቶ ኣቕሪቡ። ሽዑ ዝተወሃቦ መልሲ ግን "ቀዳማይ ክፍሊ ንኽተምህር ስልጠና ኣይወሰድካን" ዝብል ነይሩ።

መምህር ስዩም፡ እቲ ስልጠና ንኽወሃቦ ሕቶ ኣቕሪቡ ብዝተወሃቦ ዕድል ቀዳማይ ክፍሊ ከምህር ጀሚሩ። ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ዝበቕዑ ተመሃሮ ናብቲ ዝቕፅል ደረጃ ትምህርቲ ክሰግሩ ምግባር ከም ዕላምኡ ብምሓዝ ስርሑ ቀፂሉ።

ካብ ሽዑ እዋን፡ ሳሙናን መሕፀቢ ነብሲ ጥስትን ብምዕዳግ፡ ፅርየት ተመሃሮ ንምሕላው ነብሶምን ክዳኖምን ክሓፅብ ጀሚሩ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ብኽልተ ፈረቓ ('ሺፍት') 130 ተመሃሮ ካብ ምምሃር ብተወሳኺ፡ ፅርየቶም ብምሕላው፡ ሕማም ዓይኒ ትራኮማ ከየጥቅዖም ኣብ ምክልኻል ይሰርሕ።

ኩሎም ተምሃሮ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ (ሓሙስ) ቅያር ክዳን ሒዞም ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽመፅኡ ይገብር። ነብሲ ናይ ተመሃሮኡ ንምሕፃብ ድማ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 200 ሜትሮ ርሕቀት ዝርከብ ፅሩይ ማይ መስኖ ይጥቀም።

ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንኹሎም ተምሃሮኡ መስርዕ ኣትሒዙ ይሓፅቦም።

ርእሰ መምህር ናይቲ ስዩም ዝምህረሉ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣይተ ያረጋል ካሳሁን፡ ዝተገበረሉ ብዙሕ ደገፍ ከም ዘየለ ይዛረቡ።

"ዓቕሚ ስለዘይብልና ቤት ትምህርትና ዝገብረሉ ሓገዝ የለን። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ንመዐደጊ ሳሙና ዝውዕል 1,500 ቅርሺ ሂብናዮ" ይብሉ።

መምህር ስዩም በዚ ሰናይ ተግባሩ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝረኸበ ኮይኑ፡ ብ 2010 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ዙር ሽልማት 'ገበርቲ ሰናይ ሰባት' ብዘፈር ሕፁያት መምህራን ቀሪቡ፤ ሽልማት ድማ ረኺቡ።