እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሎሚ'ውን ተመሃሮ ምስ ጥሪትን እንስሳን ኣብ እምኒ ከፍ ኢሎም ዝምሃሩላ ትግራይ
ሲንጋፖር፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከም ሃገር ብሕብረት ክትጥንክር ካብ ዝገበሩዋ እቲ ሓደ ትምህርቲ'ዩ።
ካብኡ ንድሓር፡ ንተመሃሮን መማህራንን ብዘለዋ ተገዳስነት ኣብ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ሳይንስን ሒሳብን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ንእስቲ ክነሳ ብትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ንዓበይቲ ሃገራት እውን ትመርሐን ኣላ።
ብወገነይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሃይ ያንግ ዝተባህለ ወዲ 10 ዓመት ቖልዓ፡ "ትምህርቲ ሒሳብ ከቢድ እዩ ኢልካ እንተሓሲብካ ክትዕወት ኣይትኽእልን" ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረቦ ኣይርስዖን።
ክንድዚ ዝኣክል ርእሰ ተኣማንነት እማን ናይ ቖልዓ 10 ዓመት ድዩ? ትብሉ ትኾኑ።
ኣብታ ሃገር ግን ብትምህርቲ ዋዛ ስለ ዘየለ፡ ወለዲ ብልሒ ደቆም ዘይሃንጹን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘየኽትቱን እንተኾይኖም ብሕጊ ስለዝሕተቱ ተገዲሶም እዮም ህንጸት ደቆም ዝከታተሉ።
ነዚኦም፡ ካባኹም 4389 ማይል ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኢትዮጵያ ዝተባህለት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ትግራይ እትብሃል ክልል ኣላ።
ኣብታ ክልል ከኣ፡ ጸሊም ሰሌዳ ዘይብሎም፣ ሓሓሊፉ'ውን መምሃሪ ሓገዝ ዝኸውን መጽሓፍ እናሓጸሮም ኣብ ኢዶም ዕንጸይቲ ሒዞም ኣብ እግሪ ኦም ኮይኖም ዝምህሩ መምሃራን ኣለው እንተንብሎም ከ?
መዓዝ እዚ ጥራሕ።
ተመሃርኦም ንጉሆን ምሸትን ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም፣ ኣሕ እምባሕ ምስ ዝብላ ጥሪትን እንስሳ በረኻን ብላዕሊ ጽሓይ፣ ብታሕቲ ረስኒ፣ ብጎኒ ንፋስ እናተፋረቖም ጎቦ ልቦም ኣብ ዳስ ኮይኖም እዮም ዝመሃሩ ክበሃል እንተዝሰምዑ እንታይ ምበሉ?
ተገሪሞም ጥራሕ'ዶ ምተረፉ?
ክልቲኦም ኣብቲ ሃለው ኣብዚ፡ መምህርን ተመሃርን ተባሂሎም'ዮም። ንመምህር ሙሉብርሃን ኣረጋዊ ግን፡ ሓቀኛ ህይወት መምህርነታን ተመሃሮኣን እዚ እዩ።
መምህር ሙሉብርሃን ኣርኣያ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሶላ መምህርን ርእሰ መምህርን ኮይና ንሓሙሽተ ዓመት ሰሪሓ።
"ኣብቲ ከባቢ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ዳስ መምሃሪ ክፍልታት ስለ ዘሎ፡ እቲ ተመሃሪ ትሕቲ 50 ሚኢታዊት ቀልቡ እዩ ዝህብ እንተበልካ ምግናን ኣይኸውንን" ትብል።
'ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ፣ እንስሳ ወይ ካልእ ክመጽእ'ዶ ይኸውን?' ህጻናት ተመሃሮ ወትሩ ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ንመምሃራኖም ዘቕርቡሎም ሕቶ'ዩ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ትኹረቶም ኣብ ክንዲ ኣብ መጽሓፍትን እቲ ዝወሃቦም ትምህርትን ዝኸውን፡ ኣዒንቶም ማዕዶ ማዕዶ እናጠመታ ጎቦ ጎቦ ምስ ኮኑ'ዮም።
"ኣብ እምኒ፣ ጸሓይን ንፋስን ኮይኑ ዝመሃር ተመሃራይ ከኣ ትሑት ርድኢት ክህልዎ ግድን እዩ። ብፍላይ ገና ልቢ ዘይገዝኡ ብዕድመ ንኣሽቱ ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክመሃሩ ከለው ኣጸጋሚ እዩ። ምሉእ ክላስ ኣብ ዘይተማልአሉ መምሃሪ ክፍሊ ኣትዩ ዝመሃር ተመሃሪ ከኣ ትኹረቱ ስለ ዝስረቕ፡ ክንድ'ቲ ክሕዞ ዝግባእ ፍልጠት ክሕዝ ኣይኽእልን" ትብል መምህር ሙሉብርሃን።
እቲ ከባቢ ሕጂ'ውን ለውጢ የብሉን፤ ዝበዝሕ ኣብ ዳስን ግድግዳን ኮይኑ እዩ ዝምሃር ዘሎ።
እቲ ኣብኡ ዝሰርሕ መምህር'ውን ስሩዕ ቤት ጽሕፈት ኣለዎ ንምባል ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ መምህር ሙሉብርሃን ትዛረብ።
"ኣብ በረኻ እናምሃርኩ ንሓሙሽተ ዓመት ጸኒሐ። ክልተ ብሎክ ህንጻን ሓንቲ ቤት ጽሕፈት መምሃራንን እያ ዘላ። ካብኡ ዝተረፈ በብዓመቱ እናፈረሰ ብነበርቲ እቲ ከባቢ እናተጸገነን ዝስራሕ እዩ ዘሎ"።
ተመሃሮ ቃዕ ዝበለት ጸሓይ ጾም ኣርብዓ ኣብ ዝወቕዖ እምኒ ጭቃ ጠፍጢፎም ክምሃሩ ዝርኣየስ እንታይ ኮን ምበለ?
መምህር ሙሉብርሃን፡ እቲ ኩነታት ከቢድ ስለ ዝኾነ ሓደ ሻብ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሰለስተ ግዜን ልዕሊኡን ምኽኣል ስለ ዝኣበያ እንታይ'የ ዝርኢ ዘለኹ? ብምባል ትጭነቕ ነይራ።
"ግደ ሓቂ ኣብቲ ቦታ ኣይኮነን'ዶ መምህር ኮይነ ናብ ርእሰ መምህር ክዓቢ ሓደ ለይቲ'ውን ዝሓድር ኣይመሰለንን ነይሩ። ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣይበልጽን ኢለ ተቐቢለዮ" ኢላ።
ኣብዚ ግን እንታይ'የ ክምህር? ዝብል ሓሳብ መመሊሱ ናብ ርእሳ ዝመጽእ ዝነበረ ኮይኑ፡ "ምቾት ኣብ ዘይብሉ ክትሰርሖ እትኽእል ስለ ዘየዕግበካ ኣጸጋሚ እዩ" ትብል።
"በዚ ተስፋ ቖሪጾም ንደገ ዝኸዱ ኣለው"
ሲንጋፖር፡ ሓንቲ ነተን መምሃራን ዘኽብር ባህሊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ወለዲ'ውን ደቆም መምሃራን ንክኾኑ የተባብዑ'ዮም።
ሙሉብርሃን'ውን "ንፈጣሪ'ኳ መምህር ስለ ዝኾነ፡ ረቡኒ እንድዩ ዝብሃል? ኣነ'ውን ንመምህርነት ክብሪ እናሃብኩ መምህር ክኸውን እናተመነኹ'የ ዓብየ" ትብል።
ጓል 20 ዓመት ኯይና ድማ፡ ኣብቲ ስሩዕ መምሃሪ ክፍሊ ዘይብሉ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ክትምህር ልኡኽ ጽሑፍትኣ ተቐቢላ።
"ጀማሪት ኮይነ ክኣቱ ከለኹ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣምሂረ እየ። ተመሃሮ ኣይኮነን ወንበር መምሃሪ ሰሌዳ የብሎምን። ነዚ ክርኢ ከለኹ ተስፋ ብምቑራጽ ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ነይሩ። ንሳቶም ግን ብጭንቂ ንጀዲድ ጸሊም ቀለም ቀቢኦም ምምሃር ዝጀመርሉ ኣጋጣሚ ኣሎ እዩ" ትብል።
በቲ ኩነታት፡ ብዙሓት ህጻናት ተመሃሮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ትምህርቲ ከም ዝተርፉ ትዛረብ።
"እዚ፡ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ክንድቲ ዝደለኻዮ ክትስጉም ከም ዘይትኽአል የርእየካ። ብሓቂ ነዚ ድየ ተማሂረ ኢሉ ተስፋ ቖሪጹ ንደገ ዝኸይድን ከም ዝኾነ ይኹን ኢሉ ኣብኡ ዝቕጽልን ኣሎ" ኢላ።
እዚ፡ እቲ መምህር ግቡእ መልእኽቲ ንከሕልፍ'ውን ስለ ዘየተባብዖ፡ ሕጉስ ኮይኑ ወለዶታት ክሃንጽ ኣይክእልን።
ንሳ'ውን ምስቲ ዝጸንሓ "እምበርከ ኣብዚ ንሓንቲ ለይቲ ክሓድር ድየ ዝበልኩሉ ነይረ። መጀመርታ ብዙሕ'ዩ ተስፋ ዝቖርጽ ነይረ" ትብል።
በዚ፡ መኪና ናብ ዝመጸቶ እናኸደት ብሎሚ ጽባሕ ተቐቢላቶ፤ በቲ ዘሎ ክትምህር ወሲና። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓላፊት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኯይና ኣላ።
"ሓደ ግዜ ንሱፐርቪዥን ናብ ሓደ ዳስ ይኣቱ። እቲ መምህር እናምሃረ ተመሃሮ ከኣ እናተመሃሩ ቀጥታ ከብቲ ተዳፊአን ናብቲ ክፍሊ ኣትየን። እንስሳት ደገ'ውን ይመጽኡ እዮም። እዚ ዝፈጥሮ ምስንባድ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ዝፈጥሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን" ብምባል ንሓደ ካብ ተጓንፎታታ ትጠቅስ።
መንግስቲ ሲንጋፖር ንዝኽተሎ ጽኑዕ ስርዓት ትምህርትን ዕብየትን ሃገሩ ማእገር ዝኾኑዎ መምሃራን ስለ ዝኾኑ፡ ንመምሃራን ጽቡቕ ሓገዝ መጽሓፍትን ገንዘብን፣ እኹል ስልጠናታት ብምሃብ ጥንቃቐ ዘለዎ ስርጸት ትምህርቲ ከፈጽሙ የተባብዕ።
እቲ ዝምህርሉ መምሃሪ ክፍሊ'ውን ኩሉ ነገር ዝተማልኦ፣ ምቹእን ሰሓብን ካብ ምዃኑ ብዝተላዕለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ 'ናብ ቤተ ፈተነ መሃዝቲ' ተቐይሩ ከም እትረኽቦ ይንገረሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቶም መምሃራን፡ "The key is teacher" (እቲ ቑልፊ መምህር'ዩ) ብምባል ብዛዕባ ምቹእነት ትምህርቲ ሃገሮም ብሓበን ይዛረቡ።
መምሃራን እዛ ንኡሽቶን ድኻን ዓዲ'ኸ እንታይ ይብሉ?
መምህር ሙሉብርሃን፡ ዋላ'ኳ በቲ ዘሎ ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ሕጉስቲ እንተዘይኮነት፡ "ገዛ ዘፍረዮ ስለ እትጥቀም በቲ ዘሎ ኩነታት እናሰራሕና መጺእና ኢና። ግን ከምዚ ኢልካ ዘላቒ ክኸውን ኣይኽእልን" ብምባል ጽባሕ ዝሓሸ ኩነታት መምሃሪ ክፍሊ ክፍጠር ተተስፉ።
ነዚ ጸገም ክፈትሕ ልዑል ተስፋ ዝግበረሉ ከኣ፡ ኣብ ህንጸት ዘመናዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣተኲሩ ኣብ ትግራይ ክሳብ ህንጸት ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ መደብ ዘለዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስለ ዝኾነት፡ "ንዓኣ እንተሓጊዝናያ ነዚ ታሪኽ ክንቅይሮ ንኸውን" ትብል።