ሙስሊም ብምዃኑ ቋንቋ ሳንስክሪት ከይምህር ዝተኸልከለ መምህር

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫራናሲ ዝርከቡ ትምሃሮ፡ ቋንቋ ሳንስክሪት ክምህር ዝተመደበ መምህር ሙስሊም ብምዃኑ ኣይንመሃርን ኢሎም።

ንሳቶም፡ ሙስሊም መምህር ነቲ ምስ ጥንታዊ ሃይማኖት ሂንዱይዝም ዝተኣሳሳረ ቋንቋ ሳንስክሪት ክምህር ኣይክእልን ይብሉ።

ፊሮዝ ክሃን፡ ፋልማዩ ዝኾነ ስራሕ መምህርነት ቋንቋ ሳንስክሪት ኣብቲ ህቡብ ዩኒቨርሲቲ ባናራስ ሂንዱ ምስረኸበ፡ ሓጎሱ ደረት ኣይነበሮን።

እንተኾነ፡ ካብ ዝቑጸር ሰለስተ ሰሙኑ፤ ክንሱ ሓንቲ ሻብ 'ውን ኣይመሃረን።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 6 ከምዝተመደበ ዝሰምዑ 30 ተምሃሮ፡ ንተቓውሞ ኣብ ደጊኣፍ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐሚጦም።

ምኽንያቶም ድማ እስላማይ ቋንቋ ሳንስክሪት ኣይምህረናን ዝብል እዩ።

ፐሮፌሰር ክሃን ምስቲ መሰረት ብዙሓት ቋንቋታት ህንዲ ዝኾነ ሳንስክሪት ዘለዎ ርክብ ግን ውልቃዊ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ወላዲኡ ቋንቋ ሳንስክሪት ናብ ዝምህር ቤት ትምህርቲ ከምዝለኣኾን፡ ነቲ ቋንቋ ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ሽዑ ከምዝጅምርን ይዛረብ።

ወላዲኡ 'ውን ቋንቋ ሳንስክሪት ኣጽኒዑ እዩ።

እቲ 'ቋንቋ መላእኽቲ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቋንቋ፡ ብትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ህዝቢ ህንዲ ዝዝረብ ኮይኑ ምብዛሕትኡ ግዘ ቀሻውሽቲ ሂንዱ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ይጠቀሙሉ።

ካብቶም ዝቃወሙ ተምሃሮ ሓደ፡ ቻክራፓኒ ኦጅሃ፡ ምድብ ፕሮፌሰር ክሃን ንሕጊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝጥሕስ እዩ ይብል።

ኣመሓደርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን '' ነቲ ስራሕ እቲ ዝበለጸ ተወዳዳራይ ኢና ሓሪና'' ብምባል ነቲ ዝቐርብ ነቐፌታ ይቃወሙዎ።።

ብተወሳኺ ብዙሓት መምህራን ንፕሮፌሰር ክሃን ደጊፎምዎ እዮም።

''ንኸባቢ ሰላሳ ዓመታት፡ ሂንዱ ሰብኣይ ንቋንቋታት ኡርዱ፣ ፋርሲን ዓረብኛን ንዘጠቓልል ክፍሊ ትምህርቲ መሪሑ እዩ። ቁርኣን ክምህር ዘኽእሎ ዲግሪ እውን ረኺቡ ነይሩ'' ይብል ሓላፊ ትምህርቲ ክፍሊ ኡርዱ ኣፍታብ ኣሕመድ ኣፋቂ።

ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ኡርዱ ዝምህሩ ሂንዱ ከምዘለዉን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘራኽብ ከምዘይብሎምን ይገልጽ።

እቶም ተምሃሮ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ የካይዱዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ይግደፉ እምበር፡ እቲ መምህር ክሳብ ዝባረር ናብ ክፍሊ ኣይንኣቱን ብምባል ክመሃሩ ኣይከኣሉን።

ዝምህሮ ቋንቋን ዝኽተሎ እምነትን እንታይ ከምዘራኸቦም ከምዘይተረደኦ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ክሃን፡ ንዕኡ ደጊፎም ሰልፊ ዝወጹ ትምሃሮ 'ውን ረኺቡ ኣሎ።