ፋሽን ተጠቒመን ኣንፃር ባህላዊ ልምዲ ዝግስግሳ ደቂኣንስትዮ ህንዲ

ፀሊም ሕብሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ንዓለም-ለኸ ዓውዲ ፋሽን ተቖጻጺርዎ'ዩ ጸኒሑ፤ ንባህላዊ ኣልባሳት ሃገረ ህንዲ ግን ዓብሊልዎ ኣይፈልጥን።

'ሳሪ' ዝበሃል ባህላዊ ክዳን ደቂኣንስትዮ ህንዲ ዲዛይን ትገብር፡ ዲዛይነር (በዓልቲ ሞያ ቅዲ) ሻርሚላ ናየር ግን፡ ፀሊም ሕብሪ፡ ሓያል ፖለቲካውን ኣንስትያውን [feminist] መልእኽትታት ንምፍናው ትጥቀመሉ ኣላ።

ብወይዘሮ ናየር ኣብ ዝተጀመረ ጎስጓስ '18 Shades of Black': ድብዝዝ ዝበለ ፀሊም ዝሕብሩ ዓለባ 'ሳሪ' ዝተኸደና፡ 18 ኣባላት ደቂኣንስትዮ ኣለዋ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወተን ዘጋጥመን፡ ሕቡእ ጾታዊ ኣድልዎ ይዛረባ።

ወይዘሮ ናየር ፡ ነዚ መዓልታዊ ኣድልዎ ደቂኣንስትዮ፡ "ዘይረኣዩ ቀይዲታት" ብምባል'ያ ትገልፆ፤ ምኽንያቱ ድማ እዞም ቀይድታት፡ ልሙዳትን ተፈጥራውን ኮይኑ ንክስመዐን ስለዝገብርን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሕ ግዘ ነዞም ዘይረኣዩ ቀይድታት ኣብ ባዕለን ክድዕንና ስለ ዝጅምራን ትብል።

እንታይ ኣላዐዓላ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቤት-ፍርዲ ህንዲ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት፡ ካብ ቅዱስ ቦታት ህንዲ ሓደ ናብ ዝኾነ ቤተ-መቅደስ ሳብሪማላ ንከይኣትዋ ይእግድ ዝነበረ ሕጊ ምልዓሉ ስዒቡ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከራላ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ህንዲ፡ ናብ ኣደባባይ ወጽየን ሓጎሰን ገሊጸን እየን።

እዚ ሰልፊ ሓጎስ ድማ፡ ወፍሪ (ጎስጓስ) '18 Shades of Black' ንምጅማር ከምዘበገሳ፡ ወይዘሮ ናየር ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ጥንታዊ ሃይማኖት ሂንዲዩዝም፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት፡ ከም 'ዘይፅሩያት' ስለዝሕሰባ ኣብ ታሪኽ ህንዲ፡ ናብ ቤተ-መቅደስ ከይኣትዋ ተኸልኪለን ጸኒሐን እየን።

ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ነዚ ሕጊ ክለዓል ምስወሰነ፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ናብቲ ይካየድ ዝነበረ ሰልፊ ሓጎስ እንትጽንበራ፡ "ደንጊጻ" ከምዝነበረት፡ ወይዘሮ ሻርሚላ ናየር ትዛረብ።

እዚ ኣጋጣሚ እዩ'ምበኣር ንወፍሪ '18 Shades of Black' ወሊዱ፤ 18 ኣብዚ መሪሕ ቃል ዝሃለወሉ ምኽንያት፡ ኣብ ከቢድ ኩነት ኮይነን፡ ናብ ቤተ-ፀሎት ሳብሪማላ ዝኸዳ ብዙሓት ስለዘለዋ እንትኸውን፤ ፀሊም ድማ፡ ናይ ጽኑዕ ኣማኒ ክዳን ብምዃኑ እዩ።

"ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያትና ዘይፅሩያት ምዃንና ስለዝተነገረና፡ በዚ ንክንጽለው ፈቒድና። ዋላ ሕዚ'ውን ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት፡ ናብ ቤተ-መቕደስ ንዘይምኻድን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ንዘይምስታፍን፡ ፍቓደኛታት ዝኾና መሓዙት ኣለዋኒ" ትብል ናየር ።

"ስለዚ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ንመሰል ኣምላኽነት (መለኮታዊ ባህሪ) ምቅላስ እንተኽኢለን፡ ንምንታይ ንመሰል ደቂኣንስትዮ ዘይቃለሳ ? ብዙሓት ደቂኣንስትዮ እንተሓቢረን ከኣ ከምጽእኦ ዝኽእላ ለውጢ ሓሲበ" ትብል።

ደቂኣንስትዮ ካብ ግዘ ቁልዕነተን ጀሚሩ፡ ብተዘዋዋሪ፡ ሓንጎለን ነቶም 'ዘይረኣዩ ቀይድታት' ንክለምድ ከምዝግበር ድማ ትዛረብ።

"ኣወዳትን ኣጓላትን ዝተፈላለዩ ከምዝኾኑ እዩ ተነጊሩና፤ ኣጓላት ዓው ኢለን ክዛረባን ክስሕቓን ኣይኽእላን። ክሳብ ሕዚ ኣብ ከባብታት ገጠር፡ ኣጓላት ብዛዕባ ወድሰብን ፍጥረትን'ምበር ሕክምናን ምህንድስናን ንከጽንዓ ኣይተባብዓን።

"ብዛዕባ ሓዳርን ቆልዑትን'ውን ብዙሓት ኣትኩሮታት እዮም ዘለዉ። ከም ኣብነት፡ ኣብ መብዛሕትአን ከባብታት ህንዲ፡ 18 ዕድመ ምስ ዝመልአካ፡ ስድራኺ ኣብ ሓዳርኪ ከመይ ክትሰማምዒ ከምዘለኪ ክነግሩኺ ይጅምሩ። ምስተመርዓኺ ድማ መዓዝ ውላድ ከምዝህልወኪ ይሓቱኺ፣ ምስ ወለድኪ ከኣ፡ መዓስ ተወሳኺ ቆልዓ ከምትወልዲ ይሓቱኺ።

"እዞም ቀይድታት እዚኦም ለሚድናዮም ኢና፤ ብዛዕባ ምብቃዕ ደቂኣንስትዮ ንዛረብ፡ ግን'ከ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ብዘየወልውል፡ ነዞም ቀይድታት ኢድና ንህብ" ትብል ዲዛይነር ሻርሚላ ናየር።

እዚ ወፍሪ፡ 'ዓብላሊ ስልጣን ብወዲ ተባዕታይ ክተሓዝ ኣለዎ' ብዝብል ግዘ ዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ንዝኣምን ሕብረተሰብን እምነትን፡ ንምብዳህ፡ ፋሽን ይጥቀም ኣሎ።

ብዘለካ ቅርጺ ሰብነት ንክትሓፍር ዝገብሩ ርኢቶታት፣ ሕብሪ ቆርበት መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓ፣ ንወርሓዊ ፅግያት ምንሻው፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ፣ ደቂኣንስትዮ ዘግለለ ልዕልና ስልጣን ደቂተባዕትዮን ንጹህ ሽቓቕ ንደቂኣንስትዮ ዘይምህላዉን ዝብሉ ዓበይቲ ዛዕባታታት ድማ፡ ብወፍሪ '18 Shades of Black' ካብ ዝብድሁ ቀይድታት እዮም።

18- ውፉያት

ኣብዚ ወፍሪ ዝሳተፋ ደቂኣንስትዮ ንምርካብ ግን ቀሊል ከምዘይነበረ እያ ትዛረብ፡ ናየር፡።

"ካብ 80 ክሳብ 90 ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኣዘራሪበ፡ ኣዝዮም መሰጥቲ ውልቀ ታሪኻት ሰሚዐ፤ ዝበዝሓ ግና ንክቕረጻ ፍቓደኛታት ኣይነበራን።ብምኽንያት ኣካታዒ ጉዳይ ቤተ_ጸሎት ሳባሪማላ ተጨኒቐን እየን ነይረን፤ ብኸመይ ከምዝቃነን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ከመይ ተቐባልነት ክረክብ ከምዝኽእልን'ውን ተዛሪበናኒ።"

"18 ዘደንቓ ደቂኣንስትዮ" ግን፡ ብምንታይ ከምዝተቐየዳን፡ ብኸመይ ከምዝሓለፍኦን ንምዝራብ ፍቓደኛታት (ወለንተኛታት) ኮይነን።

ሞዴላት እዚ ወፍሪ ድማ፡ "ንካልኦት ደቂኣንስትዮ ክጸልዋ ዝኽእላ" ኮይነን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓውድታት ዝነጥፋ፡ ከም ጠበቓ፣ ተዋሳኢት፣ ገጣሚት፣ በዓልቲ ሞያ ስነ-ልቦና፣ ፀሓፍትን ሰራሕተኛታት ቤት-ጽሕፈትን፣ ስራሕቲ ገዛ ዝውግና ሰብ ሓዳርን ስሙያት ሰብ-ሞያ ቴክኒክን ዝኣመሰላ እየን።

ዲዛይነር ናየራ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዘቃለሐቶም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ዘስደምሙ ታሪኻት ሰሚዕና ኢና።

ፀሓፊትን በዓልቲ ሞያ ርክብ ዕብየትን ርምያ ሳሰንድራን፡ ኣደ ክትኸውን ብዘይምድላያ፡ ኣደነት ግድን ምዃኑ ንክትኣምን ብዝተገበረላ ፀቕጢ፡ ኣብ ህይወታ ግጉያት ዝኾኑ ተጓንፎታት ከምዝነበርዋ ትዝክር።

"ምስ ዓበኹ ግን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ትጽቢታት ዝያዳ ካብ ደገ ይግበረለይ ከምዝነበረ ተረዲአ። በዚ ድማ፡ ኣደነት መግለፂ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ክኸውን ከምዘይግባእ ተገንዚበ። ኣደነት ምርጫ እዩ" ብምባል ንዘለዉ ፅዕንቶታት ትኹንኖም።

ምስ ወላዲታ "ሰነያ-ዘይብሉ ርክብ" ዝነበራ በዓልቲ ሞያ ስነ-ልቦናን ኣማኻሪት ምሕብሓብን ምዕንጋልን፡ ስዋቲህ ጀጋድሽ፡ ዝኾነ ነገር ንኣዲኣ ንምዝራብ ከቢድ ከምዝነበረ ብምዝካር፡

"ጓለይ ክትኣምነኒ እየ ዝደልይ፤ ኩሉ ነገር ንክትዛረበኒ ዓርሰ እምነት ክህልዋ ይግባእ። ወላዲተይ፡ ከም ኣደ ክኸውን ከምዘይኽእል እያ ኣምሂራትኒ" ኢላ ጀጋድሽ።

በዚ ወፍሪ ዕላዊ ኣብ ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ካብ ሞንጎ ዝተርኣያ፡ በዓልቲ ሞያ ውሽጣዊ ንድፊ (ዲዛይን) ስሚታ ናይክ፡ እዚ ጎስጓስ፡ ንሰፊሕ ህዝቢ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ንምፍናው፡ ክዳውንቲ ከምዝተቐጠመ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

መኪና ዝዝውራ ደቂኣንስትዮ'ውን ብዝህድድ መልክዑ፡ እዚ ጉዳይ ብቀፃልነት ክዝረበሉ ከምዝግባእ ምግላጸን፡ ናይክ ኣብቲ ዕላዊ ዝኾነ ቪድዮ ተዛሪባ እያ።

"ብሓደ ጎስጓስ ወይ ብሓደ ሰልፊ ዘብቅዕ ኣይኮነን"

ስሚታ ናይክ፡ ኣገደስቲ መልእኽትታት ንምምሕልላፍ፡ ፋሽንን ፈጣራዊ ጥበብን ጠቐምቲ ከምዝኾኑ ድማ ትሕብር።

"መስመር ክትስእል ከለኻ፡ መስመር ጥራሕ ኣይኮንካን ትስእል ዘለኻ፡ ኣድማስ ትቕይር'ምበር፡ ዝብል ሓደ ፍቱው ብሂል ኣሎ። ፀሊም ተኸዲንና፡ መልእኽቲ ንምሕላፍ ኢና ንፍትን ዘለና፡ ከምቶም ተሳለምቲ ቤተ_ጸሎት ሳብሪማላ፤ መለለይ ሕብርና እውን እዩ። መሰልና እዩ፣ መዓረ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ኢና። ናይዚ ፀሊም ባሕሪ ክፋል እውን ኢና" ብምባል ሓሳባ ትዛዝም።