ካናዳዊ ፖለቲከኛ ምስ ማላላ ብዝተስኣሎ ስእሊ ንምንታይ ይንቀፍ ኣሎ?

ጂን-ፍራንሷ ሮበርጅ፡ ኣብ ካናዳ ግዝኣት ኩቤክ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ እዩ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ ዝወሰደት ማላላ ዮሱፍዛይ ዝተስኣሎ ስእሊ ምስጠቀዐ ከኣ ይንቀፍ ኣሎ።

ኣብ መሰል ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብእትገብሮ ጎስጓስ እትፍለጥ ማላላ፡ ኣብቲ ስእሊ መጎልበቢ ገይራ እያ እትረኣይ። ኣብ ግዝኣት ኩቤክ ድማ፡ መጎልበቢ ገይርካ ክትምህር ኣይፍቀድን እዩ።

ግዝኣት ኩቤክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኣቶ ሕጊ፡ ንመምህራን ሓዊሱ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ቤት ዕዮኦም ንሃይማኖት ዘንጸባርቕ ኣከዳድና ከይኽደኑ ከልኪሉ እዩ።

ጂን-ፍራንሷ ሮበርጅ ምስ ማላላ ዮሱፍዛይ ብዛዕባ ቀረብ ትምህርትን ዓለምለኻዊ ዕብየትን ከምዝዘተዩ ተዛሪቡ።

ማላላ፡ ኣብ 2012 ብዕጡቓት ጣሊባን ብጥይት ኣብ ርእሳ ተወቒዓ እያ፡ እዚ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ብምድፋራን ብዛዕባ ኣድላይነት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ብምዝራባን እዩ።

ኩቤክ፡ ነቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሃይማኖታዊ ኣከዳድና ከይህልዎም ዝኽልክል ሕጊ ብሰነ እያ ኣጽዲቓቶ።

እዚ ሕጊ ድማ፡ ንዳያኑ፣ ፖሊስ፣ መምህራንን ካልኦት ውሱናት ዕዮታት መንግስትን ዝምልከት እዩ።

እዚ ሕጊ፡ ኣብቲ ግዝኣት ተቓውሞን ክትዓትን ኣልዒሉ እዩ።

ደገፍቲ ናይዚ ሕጊ፡ ፍልልይ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘረጋግጽ ርትዓውን ትኽክለኛን ውሳነ ይብልዎ።

እቶም ዝቃወምዎ ከኣ፤ ዋላ'ኳ እቲ ሕጊ ሃይማኖት ፈልዩ ዘይጠቅስ እንተኾነ፤ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ነተን ኣብታ ግዝኣት ዘለዋን መጎልበቢ ዝገብራን ደቂኣንስትዮ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዒላማ ዝገበረ እዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ገለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ነቲ ሚኒስተር ምስ ማላላ ስእሊ ብምስኣሉ፡ ከም ሸፋጢን ምስሉይን ገሊጾምዎ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ፈረንሳይ እንከሎ እዩ ምስ ማላላ ተራኺቡ። ጋዜጠኛ ሳሊም ናዲም፡ ማላላ ኣብ ግዝኣት ኩቤክ ክምህር እንተትብል እንታይ ምበልካያ ኢሉ ነቲ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቲትዎ።

"ኣዝዩ ደስ ከምዝብለኒን፤ ... ኣብ ኩቤክ መምህራን ሃይማኖታዊ ክዳን ተኸዲኖም ዕዮኦም ከመዘይፍጽሙን ምነገርክዋ" ኢሉ።