እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ብዝሰርሓኣ ነፋሪት ካብ ኬፕ ታውን ናብ ግብጺ ክበራ እየን
ብደቡብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ዝተሰርሐት ነፋሪት ካብ ኬፕታውን ናብ ግብጺ-ካይሮ በረራ ጀሚራ። ናብ ናሚብያ ዝገበረቶ ቀዳማይ በረራ ብዓወት ተዛዚሙ'ሎ።
እቲ ናብ ግብጺ ዝግበር ናይ 12 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት በረራ ኣስታት ሽድሽተ ሰሙን ከም ዝወስድ ተገሊጹ።
እታ ኣርባዕተ ወንበር ዘለዋ ነፋሪት፡ ብ20 ተመሃሮ'ያ ተገጣጢማ።
"ናይዚ ተበግሶ ዕላማ፡ ኣእምሮኻ እንተኸፊትካዮ ኩሉ ነገር ከም ዝከኣል ንኣፍሪቃውያን መርኣያ ንኽንከውን እዩ" ትብል ጓል 17 ዓመት ኣብራሪት ሜጋን ዋርነር።
እቶም ተመሃሮ ነታ ነፋሪት ክሰርሑ ሰለስተ ሰሙን ዝወሰደሎም ኮይኑ፡ ብሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ፋብሪካ ዝቐረበሎም ኣቑሑት'ዮም ተጠቂሞም።
ጓል 15 ዓመት ኣንገስ ኪሞጌትወ "ብርእሰይ እሕበን፡ ንዝሰራሕናዮ ስራሕ ክኣምኖ ኣይክእልን። እዛ ነፋሪት ከም ውላደይ እየ ዝርእያ" ክትብል ገሊጻ።
እታ ነፋሪት ቀስ ኢላ እያ ትበርር፡ እቲ ዝረአ [ኣብ እዋን በረራ ብላዕሊ ኮይንካ] ነገር ዝማርኽ'ዩ" ኢላ።
ኣግነስ ኣብ ምግጥጣም እታ ነፋሪት እጃም ከም ዝነበራ ብምግላጽ፡ እዚ ናታ ጻዕሪ ንብዙሓት ናብ ስራሕ ከም ዘለዓዕል ትዛረብ።
"ኣብቲ ፈለማ ኣነ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ተደናጊጹ ነይሩ። ነፋሪት ኣብ ምስራሕ ተሳትፎ ከም ዝነበረኒን ካብ ኬፕታውን ናብ ካይሮ ከም እትበርርን ምስ ገለጽኩሎም ክኣምኑኒ ኣይከኣሉን" ትብል።
ኣብዚ እዋን ግን፡ ብስርሓ ከም ዝተሓበት ገሊጻ።
ነቲ ፕሮጀክት ዝጀመረት ጓል 17 ዓመት መንእሰይ ሜጋን ትበሃል። ኣብቲ ፕሮጀክት ንኽሰርሑ ካብ ዝተመዝገቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝተወሰኑ ጥራሕ ክዕወቱ ኪኢሎም።
ኣብቲ ጉጅለ ካብ ዝርከቡ ኣባላት፡ ንሳን ካልኦት ሓሙሽተ መንእሰያትን ጥራሕ ፍቓድ በረራ ኣለዎም።
ናይታ ጉጅለ ፈላማይ በረራ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ናሚብያ ብዕውት ኩነታት ተኻይዱ።
እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ በረራ ናይ ሽድሽተ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ ክትገብር ኮይና፡ ናብ ግብጺ ኣብ እትገብሮ በረራ ብዚምባብወ፣ ማላዊ፣ ታንዜንያ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሓልፍ'ያ።