ወለዶ ጋናውያን መሃዝቲ ኣብ ምፍራይ ዝርከብ ዋኒንተኛ

እቶም ኣብ ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ዝርከቡ ካብ ሰላሳ ዝበዝሑ ቈላዑ ብሓጐስ ካብ ወናብሮም ተንሲኦም "ሰር፡ ሰር፡ ሰር" ኢሎም ንመምህሮም ብምጽዋዕ ጫቝጫቝ ክብሉ ይስምዑ፣ እቲ ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ጫፍ ሓደ ሳዕሪ ዘሎዎ ልሙዕ ሽንጭሮ'ዩ።

እቲ ዉድድር ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ጋና፡ ኣክራ፡ ዚርከብ በረኩሶ ማእከላይ ቤት-ትምህርቲ ኢዩ። እቲ ውድድር ከኣ መን ነቶም ዝተጠናነጉ ሽቦታትን ትራንሲስተራትን ኣተኣሳሲሩ ንሓንቲ ንእሽቶይ ሲረና ዚዝ ከብላ ከኣለ ኢዩ።

ኣብ ዉሽጢ ሓጺር እዋን እቲ ክፍሊ ብድምጺ ቡዙሓት ዚዝ ዝብላ ሲረናታት መልአ። እቶም ቈላዑ ብዉዕዉዕ ደስታ ክጭድሩ መን ከም ዝሰዓረ ምፍላጥ የሸግር።

ቅድሚ ሓደ ዓመት እዞም መናእሰይ ኤለክትሮኒካ ኣብ ሰሌዳ፡ ብጉሩሽ እናጸሓፍካን ሒደት መጻሕፍቲ እናተጠቐምካን'ዮም ዝመሃሩ ነይሮም። ሕጂ ግን እንሆ እቲ ዅሉ ዘድልዮም ነገራት - ነናቶም ሰለዳ-ሰርከት ንኸዳልዉ ተቐሪቡሎም።

ምህዞ መጽሓፍ

ነዚ ዝመሃዘ፡ 25 ዝዕድሚኡ ቻርለስ ኦፎሪ ኣንቲፐም ኢዩ።

ንሱ ሓንቲ ሳንዱቕ ሳይንስ ምሂዙ፣ ዕብየታ ክንዲ ሓደ መጽሓፍ እትኸውን፡ $15 ዝዋጋኣ፡ ብናይ መሳርሒ-ኤለክትሪክ ዝመልአት ንእሽቶ ጸላም ሳንዱቕ።

"እታ ሳንዱቕ ኣብ ሰደቓ ተምሃሮ ኮፍ ኣቢልካ እቶም ተምሃሮ ኸኣ ብታሕጓስ ኣዒንቶም ክውላዕ ምርኣይ፡ ንመጀመርታ እዋን ከኣ ብኣእዳዎም ሓደ ሰርከት-ኤለክትሪክ ክሰርሑ ምርኣይ ብሓቂ ዜደስት ተመኵሮ'ዩ" ይብል ቻርለስ። "እሱ ኸኣ'ዩ ንኽንደፍእ ዚደፋፍኣና" ኢሉ ወሰኸሉ።

ቻርለስ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ እታ "ደክስት ቴክኖሎጂ" እትበሃል ኩባንያኡ መስረተ። ሕጂ ትሽዓተ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ኣሎዉዎ፣ ኣብ ጋና ልዕሊ 5,000 ኵጅሎታት ንናይ መንግስትን ግልን ኣብያተ ትምህርቲ ክሸይጥ ክኢሉ።

እቲ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨርሲትይ ኸሎ ምስ ማይክል ኣሳንቲ ኣፍሪፋ ዝስሙ ዓርኩ ዀይኑ'ዩ ጀሚሩዎ። ድልየቶም ኣብ ዉሽቲ ክልተ ዓመት ኵሎም ቈላዑ ጋና እቲ ምህዞኦም ንኽባጻሕ'ዩ።

"እቲ ፍልጠት ካብ መጽሕፍቲ ምቕሳም ሓደ ነገር'ዩ፣ ግናኸ እቲ ምከራ ንኽትምኰሮ ምኽኣል ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።

ን 2020 ዓሱረ-ዓመት ተነቢሩ ዘሎ ትጽቢት ናይ ሳይንስ/ቴክኖሎጂ/ህንደሳ/ቍጽሪ ብቕዓት ዘሎዎም ተምሃሮ ኣብ ስራሓት ንክዋፈሩ'ዩ። ዋላ'ኳ ብንጹር ኣይፈለጥ፡ ዳርጋ 80% ናይ መጻኢ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ስርሓት ነዞም ሓደስቲ ክእለታት ሒዞም ዝብገሱ'ዮም ይበሃል።

ግናኸ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ኣዝየን ድሒረን ይርከባ - ማለት ብትምህርትን ስልጠናን ሳይንስ/ቴክኖሎጂ/ህንደሳ/ቍጽሪ። ጸብጻባት ሕቡራት መንግስታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብዘን ሃገራት'ዚአን 2.5 ዝኣኽሉ መሃንዲሳት ክምዕብሉ የድሊ - እዚ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮጀክት "ሽቶ ዘላቒ ምዕባለ" ንምምካት ምኽኣል።

ዶክ. ቶማስ ታጎ፡ ኣባል ናይ "ማሕበር ሳይንስ ኣብ ጋና" ኣብ ቈላዑ ፍቕሪ ሳይንስ ምስራጽ ኣድላዪ ኢዩ ይብል፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሃገር ዋሕዲ መሃንዲሳትን ናይ ቴክኖሎጂ ክኢላታት ስለ ዘሎ።

"እዚ ዘሎናዮ ዘበን ናይ ዲጂታላዊ (ኣሃዛዊ) ዘበን ስለ ዝዀነ ነዚ ምዕባሌ ክምዝምዞ (ክንጥቀመሉ) ይግባእ" ይብል። "ካምዚ ክብል ከሎኹ ካብቲ 'ኣብ መገዲ ምዕባሌ ዘላ ሃገር" ዚብል መጸውዖ ወጺእና ብተሞኵሮኣዊ ፍልጠት ሳይንስ ዝመልአት ሃገር ክንሰግር ይግባእ።

ንግሰተ ሳይንስ

ቻርለስ ኣብ ሓደ ብሳይንስ ዝተዓብለለ ስድራ-ቤት ኢዩ ዓብዩ። እቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝሞተ ኣቦኡ ኣብ ሓደ ቤ-ትምህርቲ ናይ ዞብኡ መምህር ናይ ሳይንስ ኢዩ ነይሩ።

"ኣቦይ ንዝዀነ ፍልጠት፡ ምናዳ ምስ ፍልጠት-ሳይንስ ዝተኣሳሰር፡ ከም ማይ ክነሰትዮ ይደልየና ነይሩ።

ቻርለስ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበረሉ እዋን ኢንተርነት ንኪጥቀም ዕድል ኣይነበሮን፣ ወይ ከኣ ንመባእታዊ ፍልጥት ሳይንስ ኰነ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ኣይነበሮን። "እት ሕጽረት ኣብቲ ዝነበረኒ ዓይነት መሳርሒ ኢዩ ነይሩ" ብምባል ቻርለስ ትምኒቱ ነቶም ናይ ሎሚ ተመሃሮ ዝሓሸ መሳርሒ ንክረኽቡ'ዩ።

"ስርሐይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ኣደልዲሉ መሬት ክረግጽ'ዩ ባህገይ፣ ካብቲ ናተይ ዝሓሸ ... ነቶም ንዝምጽእ እዋን ዘጓንፍዎም ግድላት ብግቡእ ኣገባብ ምእንቲ ክምክትዎም ካብቲ ኣቦይ ንዓይ ዘስነቐኒ ፍልጠት ዝሓሸ እምነየሎ።"

ሽድሽተ ሰዓታት ንሰሜን ካብ በረኩዞ፡ ኣብ ኩማሲ ዝተባህለት ከተማ፡ መሳርሕቲ ቻርለስ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት-ዕዮ ኰይኖም ሳናዱቕ-ሳይንስ ኣብ ምግጥጣም ይርከቡ።

ኣሽሓት ደቀቕቲ ኮንዳክቶራት (መተሓላልፊ ኤለክትሪ) ኣብ ንኣሽቱ ረዚስተራት ከልሕሙ ይርኣዩ።

ነታ ጸላም ሳንዱቕ ብሓበን ሰፍ ኣቢሉ "ሕራይ፡ እንሄት'ምበኣር" ይብል ቻርለስ። ናብቲ ትሕዝቶ ናይታ ሳንዱቕ ብምምልካት - ናይ መምርሒ ጽሑፍ፡ ናይ ኤለክትሮኒክ ክፋላት፡ ንኤልክትሮ-ማግኔትነት ዝኸውን ናይ ሓጺን ተረፍ-መብረድ ፡ ሳንዱቕ መብራህቲ፡ መስትያት፡ ኣብ ማእከል ድማ ነታ ሳንዱቕ ሳይንስ ዜንቀሳቕሳ ባተርያ።

ንቻርለስ ሓደ ነታ ሳንዱቕ ክሻየጥ ዝደለየ ዓሚል ይድውለሉ - ካብ ኣይቮሪኮስት። እቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝነብር ሰብ ነታ ቻርለስ ዝመሃዛ ኣቕሓ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይቶም ኣብ ከባቢ ካካው ዘፍርዩ ማሕበረሰባት ከተኣታትዋ ስለ ዝደለየ።

ቻርለስ ኪኢላ ነጋዳይ ስለ ዝዀነ ኵሎም ሕቶታት ናይቲ ዝደወለሉ ሰብ ብግቡእ ቀሲኑ መለሰ። እታ ስልኪ ምስ ዓጸዋ ፍሽኽ እናበለ "ኣብ ጽቡቕ ስምምዕ በጺሕና" በለ። "ንመፈተኒ ዝዀኑ ሒዶት ሳናዱቕ ክገዝኡ ተሰማሚዕና" ይብል። "ብድሕሪኡ ዝያዳ ሳናዱቕ-ሳይንስ ናይ ምግዛእ ዕድል ክስዕብ'ዩ ኢለ እኣምን" ኢሉ ወሰኸሉ።

ኣብ በረኩዞ ብምምላስ፡ ኣብ ሓደ ብደሮና ዝተኸድነ መንገዲ - ናብ ሓደ ሒደት ኪሎሜተራት ዝርሕቀቱ ቤት ትምህርቲ ዚወስድ - 15 ዝዕድሚኣ ፕሪንሰስ ማካፉይ ማዕረ ብጾታ ኮፍ ኢላ ናይ ቤት-ዕዮ ትሰርሕ።

ስድራ-ቤታ ኵድምተኛታት'ዮም፣ እዚ ማለት ኣብ ሓደ ዘይተወድአ ቤት ብዘይ ፍቓድ ዋናታቱ ደፊኦም ዝኣተዉ'ዮም። እቲ ገዛ ኣይኰነንዶ ኤለክትሪክ፡ እቶም መናድቕ'ውን ኣይተወድኡን። ጽሓይ ስለ ዝዓረበ ኣብ ጣውላ ኮፍ ዝበለት ሓንቲ ባዕላቶም ዝሰርሕዋ መብራህቲ እዮም ዝጥቀሙ።

ብሓበን፡ "ኩቦ-መብራህቲ'ያ" በለት ፕሪንሰስ ። "ኩቦ-መብራህቲ ማለት ኵላህና ሓቢርና ሓደ ገጽ ናይታ ኩቦ እንዳተቐምና ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ ንሰርሕ።" ፕሪንሰስ ኰነት እተን ካልኦት 12 መናእሰይ ናይ ዞባአን ናይ ሳይንስ ውድድር በታ ዝመሃዝኣ 'ኩቦ-መብራህቲ' ክዕወታ ክኢለን። ነቲ ሳንዱቕ-ሳይንስ ተጠቒመን'የን ሰሪሐንኣ።

"ቅድሚ እዛ ሳንዱቕ-ሳይንስ ምርካብና፡ ናይ ሳይንስ ትምህርተ-ሰዓት ኣሰልካዪ ኢዩ ነይሩ። ሳይንስ ብክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ንመሃሮ ስለ ዝነበርና ኣይርድኣናን ኢዩ ነይሩ" ትብል።

ቻርለስ፡ ሓዲስ ወለዶ መሃዝቲ ኣብ ምፍጣር ስለ ዝርከብ፡ ካብኡ ኣብሊጹ ዝምነዮ ነገር ከም ዘየሎ ይምስክር።

"ተምሃሮ ነታ ሳንዱቕ-ሳይንስ ተጠቒሞም ዝመሃዝዎ ኣቝሑት ሒዞምለይ ክመጹ ምርኣይ ልክዕ ነቲ ከነመስክሮ ዝደሌና ሽቶኡ ከም ዝወቕዐ የርእየና።

"ንተምሃሮ እቲ ዘድልዮም መሳርሒ ምስ እተቕርበሎም ንገለ-ገለ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ሽግራት በቲ ዝተረከብዎ ፍልጠት ባዕላቶም መፍትሐ ክምህዙሎም ይኽእሉ'ዮም።"

ሓደ መሃዝቲ ዝምህዝ መሃዚ? ብብሩህ ገጹ "ንክትሰምዖ ጥዑም'ዩ" ይብል። "ኣቦይ ብህይወቱ እንተ ዚነብር ሓያል ሓበን ምተሰምዖ ነይሩ"

እዚ ናይ ቢቢሲ ተኸታታሊ-መደብ'ዚ ብምወላ ትካል ቢልን መሊንዳን ገይትስ ኢዩ ክዳሎ በቒዑ።