እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡርኪናፋሶ፡ ንጣንጡ ዝቐትል ፈንገስ ካብ ሳሬት ተጫጪሑ
ኣብ ቀረባ ብዝተኻየደ ምርምር ንጣንጡ ናይ ምቕታል ዓቕሙ 99 ሚኢታዊ ዝኾነ ፈንገስ ተረኺቡ።
እቲ ፈንገስ ካብ ናይ ሳሬት መርዚ ዝቕመም ኮይኑ ኣብ ቤተ-ፈተነ ይባጽሕ።
እቲ ሓድሽ ፈጠራ ኣብ ሃገረ ቡርክናፋሶ ዝተፈተነ እንትኸውን፡ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ዳርጋ ኩለን ጣንጡ ቐቲሉወን።
ተመራመርቲ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ጣንጡ ምጥፋእ ዘይኮነስ ኣብ ዓለምና እቲ ሓደገኛን ቀታል ዝኾነ ዓሶ ምግታእ እዩ።
ኣብ ሓደ ዓመት ካብ 400 ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕማም ህይወቶም ዝስእኑ እንትኸውን፡ ካብ 219 ሚልዮን ንላዕሊ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ይሳቐዩ።
ነዚ ምርምር ዘካይዱ ዝነበሩ ኣሜሪካዊያን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ነቲ ቀታሊ ፈንገስ "ሜታሪዚየም ፒንግሼንስ" ዝብል መጸውዒ ሂቦሞ።
ኣባል ጉጅለ እቲ ምርምር ዝኾኑ ፕሮፌሰር ሬይመንድ ሌገር፡ ካብ ሐዚ ዝተርፎም እቲ ፈንገስ ኣብ ቤተ ፈተነ ክዓብን ክምዕብልን ምግባር ጥራሕ እዩ።
ምስቲ ፈንገስ ተሓዊሱ ነተን ጣንጡ ንምቕታል ኣብ ረብሓ ዝውዕል መርዚ ኣውስትራልያ ካብ ዝርከብ ዓሌት ሳሬት ዝተረኸበ እዩ።
እቲ ፈተነ ድማ ኣብ ብርኩናፋሶ 603 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ኣብ ዘለዎ መንደር እዩ ተኻይዱ።
እቲ ፈተነ ኣብ ሓደ መርበብ ዝተኻየደ ኾይኑ ኣብቲ መርበብ ካብ ዝዓረፋ 15 ሺሕ ጣንጡታት 99 ሚኢታዊት በቲ ፈንገስ ሞይተን።