እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ጓል 73 ዓመት ሰበይቲ መናቱ ወሊዳ
ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ሃገር ህንዲ ኣብ ዞባ ኣንደራ ፕራደሽ፡ ጓል 73 ዓመት ኣደ መናቱ ኣዋልድ ሓሪሳ።
እታ ኣደን ደቃን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለው ዶክተር ኡማ ሳንካር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እታ ጓል 73 ዓመት ኣደን ወዲ 82 ዓመት በዓል ቤታን፡ ኣብ ዘበን ሓዳሮም ኩሉ ግዜ ቖልዓ ክወልዱ ይደልዩ እኳ እንተነበሩ ኣይኮነሎምን። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ዕቤቶም ብኣይቢኤፍ ክወልዱ ወሲኖም ማናቱ ኣዋልድ ረኺቦም።
''ኣመና ተሓጒስና ኣለና'' ይብል ሰብኣያ፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ወቕዒ ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ እናተሓከመ።
"ነዞም ኣብ እርጋንኩም ዝወለድኩሞሞ ቆልዑት መን ክናብዮም እዩ" ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ድማ፡ "ኣብ ኢድና ወላ ሓንቲ የብልናን። እቲ ዘጋጥም ከጋጥም ኢዩ። ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ" ክብል መሊሱ።
ቖልዑ ስለዘይወለድና፡ ከም መኻናት ተቖጺርና ኣብቲ ዓዲ፡ ኩሉ ሰብ የናእሰና ነይሩ። ብዙሕ ግዜ ክንወልድ ፈቲንና፡ ናብ ብዙሓት ደኳትር ኬድና ዝበለት እታ ኣደ፡ እዚ ሕጂ ረኺበዮ ዘለኹ ህያብ ግን እቲ ኣብ ህይወተይ ዝተሓጒስኩሉ እዩ ትብል።
እቶም መናቱ ብመጥባሕቲ እየን ተወለዲን። ኣብ 2016፡ ኣብ ህንዲ ጓል 70 ሰበይቲ ወዲ ሓሪሳ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።