ናይጀርያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክትከፍት እያ

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክኽፈታ ኣዚዙ፡፡

ሚኒሰተር ትምህርቲ ናይጀርያ ኣዳሙ ኣዳሙ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ከምዝወሰነ ሎሚ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ 12 ጥቅምቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ክኽፈታ ምዃነን ድማ ውሃብ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ክልላትን ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርትን ድማ ዝኸፍታሉ ኣገባብ ክውስና ምዃነንን: ተቖጻጸርቲ ኣካላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ እተን ትካላት ምምሃር ዝጅምራሉ ግዘ ክውስኑ እዮም ኢሉ፡፡

ገለ ክልላት ናይጀርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ጀሚረን እየን፡፡

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋት ሓዊሱ ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳታት የልዕላ ኣለዋ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘበነ ትምህርቲ እዚ ዓመት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክጅመር ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝወሰነ ይዝከር፡፡

ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ተዓጽየን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ዝገበረት ናሚብያ፡ ዛጊድ ልዕሊ 300 ተምሃሮ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ገሊጻ ኣላ፡፡

ኣብ ናሚብያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 11 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ 123 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ፡፡