ኣስታት 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣማዞን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ኣማዞን፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቅድሚት: ምስ ዓማዊል ዝራኸቡ ልዕሊ 19, 816 ሰራሕተኛታቱ ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙ ገሊጹ፡፡

ቁጽሪ እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰራሕተኛታ፡ ካብ ጠቕላላ 1.37 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ትካል መሸጣ ኣማዞን 1.44 ሚኢታዊት ዝሽፍን እዩ፡፡

እቲ ትካል ድሕነት ሰራሕተኛታቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ተባሂሉ ብሰራሕተኛታቱን ማሕበራትን ከውቀስን ክኽሰስን ጸኒሑ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ናይ ኦንላይን መሸጣ ዝተዋፈረ ትካል፡ እቲ ዘጋጠመ መልከፍቲ ካብቲ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡

እቲ ለበዳ ምስተኸሰተ ስርሑ ጠጠው ዘየበለ ኣማዞን፡ ካብቶም በቲ ለበዳ ብምኽንያት ካብ ገዝኦም ክወጹ ዘይከኣሉ ሰባት ጠለባት ወሲኹሉ እዩ፡፡

እዚ ድማ ንወናኒ እቲ ትካል ዝኾነ ሃብታም ዓለምና ጄፍ ቤዞስ ሃብቱ ኣዐርዩ ክውስኽ ኣኽኢሉዎ'ሎ፡፡

መሸጣ እቲ ትካል፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብ 40 ሚኢታዊት (88.9 ቢልዮን ዶላር) ክውስኽ እንከሎ፡ ናይ ርብዒ ዓመት መኽሰቡ ድማ 5.2 ቢልዮን ዶለር ኮይኑ እቲ ትካል ኣብ 1994 ካብ ዝምስረት እቲ ዝዓበየ እዩ፡፡

መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣማዞን ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ መጠን መልከፍቲ ሰራሕተኛታቱ ምስ መጠን ናይ ኣመሪካ ተመሳሳሊ እንተዝኸውን 33, 952 ሰራሕተኛታቱ ክልከፉ ይኽእሉ ከምዝነበሩ ብምግላጽ እዩ፡ ውሑድ ሰብ እዩ ተታሒዙኒ ኢሉ ዝከራኸር ዘሎ፡፡

እቲ ቑጽሪ በዝሒ ወቕታዊ ሰራሕተኛታትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ተለኺፎም ክኾኑ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታቱን ዘጠቓልል እዩ፡፡

እቲ ትካል ልዕሊ 150 ከይዲታት ከምዝወሰኸ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ልዕሊ 100 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝዓደለን ናይ ኣካላዊ ሙቐት ከምዝዓቀነን ይገልጽ፡፡

ኣካላዊ ምርሕሓቕ ከምዝተግበረን ኩሉም ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ 90 ደቒቕ ከምዝጸርዩን ዝገለጸ ኣማዞን፡ ካልኦት ትካላት ብተመሳሳሊ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰራሕተኛታቶም ዕላዊ ክገብሩ ሓቲቱ፡፡