ፍልጥቲ ቻይናዊት ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እንከላ ብሰብኣያ ነበር ብሓዊ ተቓጺላ

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፀላዊት ዝኾነት ቻይናዊት፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እንከላ በዓልቤታ ነበር ቤንዚን ነስኒሱ ኣቃፂልዋ።

ጓል 30 ዓመት ላሙ፡ ቲክቶክ ተኪኡ ኣብ ዝሰርሕ ዶይን ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰዓብቲ ነይሮማ። ናይ ቀጥታ ፈነወን ቪድዮታትን ብምፍናው ድማ፡ ስምይቲ ነይራ።

ማዕከናት ዜና ቻይና ከምዝሓበርዎ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰብኣያ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሌኣ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ፡ 90 ሚእታዊት ሰብነታ ብሓዊ ተቓፂሉ ሕክምና ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ህይወታ ሓሊፋ።

ድሕሪ ሞት ላሙ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ቻይና ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ቆላሕታ ረኺቡ'ሎ። ኣብ ኣውራጃ ሲቹዋን ትነብር ዝነበረት ላሙ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዶይን ናይ ገጠር ሕጉስ ህይወት ዘርእዩ ቪድዮታት ብምፍናው'ያ ትፍለጥ።

ኣብቲ ቪድዮታት መመላኽዒ (ሜክኣፕ) ስለዘይትጥቀም ድማ፡ ቀልቢ ብዙሓት ብምስሓብ ሚልየናት 'ላይክ' ክትረክብ ክኢላ እያ።

ምምሕዳር ፖሊስ ግዝኣት ጂንቹዋን ከምዝሓበሮ፡ ላሙ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 14 መስከረም ኣብ ልዕሊኣ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትሕከም ፀኒሓ።

ንዝሐሸ ሕክምና ተባሂሉ ግን ናብቲ ኣብ ኣውራጃ ሲቹዋን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትለኣኽ ግድን ኮይኑ።

ሓንቲ ጋዜጣ እታ ሃገር ድማ፡ ስድራ ላሙ ንመሐከሚ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ንሰዓብታ ከምዝሓተቱን፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓደ ሚልየን ዩዋን ምእካብ ከምዝተኽኣለን ፀብፂቡ።

እቲ ገንዘብ ግን ንህይወት ላሙ ካብ ሞት ከትርፎ ኣይከኣለን። ብናይ ስድራ ስሙ ታንግ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ውልቀሰብ፡ ቅድሚ ሕዚ በዓል ቤታ ዝነበረ እዩ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጉንበት ስለዝተፋትሑ ግና፡ ብሓንሳብ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዝወለድዎም ክልተ ቆልዑ፡ ብውሳነ ቤት-ፍርዲ ተማቒሎሞም።

እንተኾነ ድሕሪ ሓፂር ግዜ፡ ታንግ፡ ላሙ ዳግማይ ንክትምርዓዎን፡ እንድሕር በዚ ዘይተሰማሚዓ ግና፡ ሓደ ቆልዓ ከምዝቐትል ከፈራርሕ ጀሚሩ።

ላሙ ድማ፡ ውላዶም ከይቕተል ብሓሳቡ ተሰማሚዓ፡ ዳግም ተመርዕያቶ፤ ግና ብዙሕ ምስኡ ከይፀንሐት ካብኡ ሃዲማ። ድሕሪ እዚ ታንግ፡ ላሙ ናበይ ከምዝኸደት ንሓፍታ ምስ ሓተተ፡ ክትነግሮ ስለዘይፈቐደት ወቒዕዋ።

ኣባላት ስድራ ላሙ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ንፖሊስ'ኳ እንተሓበሩ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ'ዮም ዝገልፁ። ላሙ'ውን ነቲ በስገዳድ ዝኣተወቶ ሓዳር ገዲፋ፡ ንታንግ ዳግማይ ፈቲሓቶ።

ፖሊስ፡ ታንግ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈፀመሉ ዕለት 14 መስከረም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎን፡ እቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎን ኣፍሊጡ'ሎ።

ብሞት ላሙ ዝተቖጥዑ ብዙሓት ቻይናውያን፡ ኣብ ብማሕበራዊ ሚድያ ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ። ልዕሊ 70 ሚልየን ሰባት ድማ፡ ሞታ ንምግላፅ ብስማ 'ሃሽታግ' ገይሮም እዮም።

ሓንቲ ተጠቃሚት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ንኣብነት፡ "ደቂኣንኣስትዮ ፖሊስ የድልያና፣ ደቂኣንስትዮ ዳያኑን ዓቀብቲ ሕግን የድልያና። ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ናብ ፖለቲካ ክመፃ ይግባእ፣ ሓይሊ ክህልወና ይግባእ" ብምባል፡ ተሪር መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።