ኮቪድ-19፡ ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቓይቕ ክሕብር ዝኽእል መሳርሒ ንሃገራት ክዕደል'ዩ

ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቓይቕ ክሕብር ዝኽእል መሳርሒ ንሃገራት ክዕደል'ዩ ተባሂሉ።

እዚ ሓሙሽተ ዶላር ጥራሕ ከፊልካ መርመራ ዝገብር መሳርሒ፡ ንሃብታማት ዘይኮናን ሕፅረት ሰብሞያን ላባራቶሪን ኣብ ዘለወንን ሃገራት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብብዝሒ ንምፍላይ ከምዝሕግዝ'ውን ተገሊፁ።

ነዚ መመርመሪ ዘፍርዩ ትካላት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ፡ 120 ሚልዮንን ከፍርዩ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ቀንዲ መቐይሮ ነጥቢ ክብል ገሊፅዎ።

ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምፍላጥ ዝወስዶ ግዘ፡ ብዙሓት ሃገራት ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ንዝገብርኦ ቃልሲ ኣሰናኺልዎ እዩ ፀኒሑ።

ብፍላይ ድማ ለበዳ እቲ ቫይረስ ሰማይ ኣብ ዝዓረገለን ሃገራት ህንድን ሜክሲኮን፡ ውፅኢት መርመራ ኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ክፈልጣ ዘይምኽኣለን፡ ዘሎ ደረጃ ምልባዕ እቲ ለበዳ ከይርእያ ከምዝዓገተን ሰብሞያ ይገልፁ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ "ተንቀሳቓስን ንኣጠቓቕማ ምችዉን" ዝኾነ መመርመሪ፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ደቓይቕ፡ ውፅኢት ምርመራ ከምዘፍልጥ ሓቢሩ።

ኣፍረይቲ መድሓኒት ኣቦትን ባዮሴንሰርን ድማ፡ ምስ ፋውንዴሽን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ብምዃን፡ ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ 120 መመርመርታት ንምፍራይ ከምዝተሰማምዑ፡ እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝፈርዩ መመርመርታት፡ በዚ ቫይረስ ዝተጎድኣ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ዝርከብአን 133 ሃገራት ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "እዚ መመርመሪ፡ ብፍላይ ልዑል ለበዳ ኣብ ዘለዎም ከባብታት፣ ላባራቶሪ ኣብ ዘይብሉን ንምብፃሕ ኣብ ዘፀግሙን ከባብታት ዓብይ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ" ኢሉ።