'ፈትል' - ንዓይነስውራን ብብሬል ዝተዳለወ ፈለማይ ጋዜጣ ኣብ ኢትዮጵያ

ሽፋን ጋዜጣ ፈትል

ምንጪ ስእሊ, FIYORI

ጋዜጠኛ ፍዮሪ ተወልደ ኣብ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ትሰርሕ ነይራ።

ንሳ ካብ ገዝኣ ናብ ስራሕ ካብ ስራሕ ድማ ናብ ገዝኣ ኣብ እትመላለሰሉ ሰዓታት ሓደ ዝተዓዘበቶ ነገር ነቲ ሕዚ ናብ ተግባር ዝቐየረቶ ስራሕ ክትነቅል ከምዝገበራ ትዛረብ።

"መዓልታዊ ክኸይድ ከለኹ ሰባት ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም ጋዜጣታት ከንብቡ'የ ዝርእይ። ደው ኢሎም ናይ ስራሕ ምልክታታት'ውን ይሪኡ። ዓይነስውራን ግን ከምዚ ዝበለ ዕድል የብሎምን" ትብል።

ፖለቲከኛታት ኮኑ ሰብ ሞያ ሚድያ ግን ንጉዱኣት ኣካል ብፍላይ ድማ ንዓይነስውራን ተሳተፍትን ተረባሕትን ኣብ ምግባር ብዙሕ ነገራት እንተተዛረቡ'ውን ምችው ኩነታት ግን ክፈጥሩሎም ከምዘይከኣሉ ትዛረብ ጋዜጠኛ ፍዮሪ።

እዚ ኩነታት ስለዘጠዓሳን እጃማ ንኽትፍጸም ስለዘለዓዓላን ድማ በዓላ እተመሓድሮ ትካል ምውዕዋዕ፣ ሕትመትን ፕሮሞሽንን ብምጥያሽ፤ ንዓይነስውራን ዝኸውን ናይ ብሬይል ጋዜጣ ናብ ሕትመት ከምዘብቀዐት ተረድእ።

"እዞም ክፋል ሕብረተሰብ ሓሳቦም ዘቃልሑሉ፤ ብዛዕባ ባዕሎም ዝዛረቡሉ፤ ዘንብቡሉን ኣብ ሃገሮም ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ፍጻመታት ሓበሬታ ዝረኽቡሉን ክኸውን'ዩ" ክትብል ረብሓ እቲ ብብሬይል ሕትመት ዝዳሎ ጋዜጣ ትገልጽ።

ጋዜጠና ፍዮሪ

ምንጪ ስእሊ, FIYORI

ብተወሳኺ ድማ እቶም ዓይነስውራን ዝተፈላለዩ ምልክታታት ስራሕ ኣብቲ ጋዜጣ ስለዝረኽቡ ስእነት ስራሕ ኣብ ምቅላል ግደ ከምዝህልዎ ትኣምን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 4 ሚልዮን ዓይነስውራን ከምዝርከቡ መረዳእታታት ይሕብሩ።

እዞም ክፋል ሕብረተሰብ ልክዕ ከም ካልእ ዜጋ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል እንተሃለዎም'ኳ ብፍላይ ምስ ሕትመት ብዝተሓሓዝ ካብ ዝዝርግሑ እዋናዊ ዜናታትን ካልእ ሓበሬታን ዝረሓቑ እዮም።

ፍዮሪ፡ ነዚ ጸገም ኣብ ምቅላል ከምዝሕግዝ ብምእማን'ያ 'ፈትል' ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብሬይል ጋዜጣ ዓይነስውራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕትመት ዘብቀዐት።

እቲ ጋዜጣ ዝተፈላለዩ ዓምድታት ዝሓዘ ኮይኑ ኩልግዜ ረቡዕ ዝሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ እዩ።

"ዝና ዝብል ዓምዲ ኣሎ። 'ፈትል ነቃሽ' ዝብል እውን ኣሎ። ኣብዚ ዓምዲ ኣብ ዓይነሰውራን ዝበጽሑ በደላት ፍትሕን ጸገማት ሰናይ ምምሕዳርን ብምርመራዊ ጋዜጠኝነት ክቃልዑ ክግብር'ዩ። 'ጋሻና'፣ ተምሳሌት ዝብሉ ዓምድታት ኣለዉ" ብምባል ንትሕዝቶታት እቲ ጋዜጣ ተመልክት።

ብተወሳኺ'ውን ኣብቲ ጋዜጣ ንህጻናት ዝተዳለወ ዓምዲ ኣሎ። "ዓይነስውራን ህጻናት'ውን ናይ ምንባብን ሃነጽቲ ቁምነገራት ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎም" ትብል ፍዮሪ።

ጋዜጠና ፍዮሪ

ምንጪ ስእሊ, FIYORI

ኣብቲ ፈላማ ነዚ ክተብገስ ከላ 'ክገሃድ ዘይክል ተስፋ' ከምዝኾነ ብምግላጽ ካብ ውጥና ከተኣጓጉልዋ ዝኽእሉ ሐሳባት ቀሪቦምላ ምንባሮም ትዝክር።

ብኣንጻሩ ድማ ካብ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነስውራንን ካልኦት ትካላትን ውልቀሰባትን ዘተባብዑ ርእይቶታት ከምዝተወሃባ ትዛረብ።

"ኣብ ጉዳይ ዝርግሐ ንሕዚ ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ብዝምልከት እውን ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ተዘራሪበለኹ። ትምህርቲ ምስተጀመረ ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ካልኦት ትካላት ትምህርትን ክበጽሕ ክንገበር ኢና" ትብል ጋዜጠኛ ፍዮሪ።

ፈትል ናብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት'ውን ከምዝዝርጋሕ ብምሕባር "ዓይነስውራን ተገልገልቲ ኮይኖም ናብተን ትካላት ስለዝኸዱ ጉዳዮም ክሳብ ዘፈጽሙ እናንበቡ ንኽጽበዩ ኢና ነዚ ንገብር" ክትብል ተረድእ።

ሃገራዊ ማሕበር ዓይነስውራን'ውን ናብ ኩሎም ጨንፈራቱ ክዝርግሖ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ጋዜጣን ካልኦት ሕታማትን ኣብ ዝንበቡሎም ዝተለመዱ ጎደናታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንመሸጣን ነጻ ንባብን ክቐርብ እዩ።

ጋዜጣ 'ፈትል' ንግዚኡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጥራይ'ያ'ዩ ክሕተም። ዓቕምን ብቕዓትን እናደልደለ ኣብ ዝመጽእ ድማ ብኻልኦት ቋንቋታት ኢትዮጵያ ናብ ሕትመት ከምዝበቅዕ ፍዮሪ ሓቢራትና።

ብፍላይ ነቲ ሕትመት ብሬይል ዝኸውን ወረቐት ካብ ደገ ብዝለዓለ ዋጋ ስለዝኣትው ምስቲ ንሳ እተውጽኦ ወጻእን ዋጋ እታ ጋዜጣን ክመጣጠን ስለዘይክእል ግን ኣብዚ ጉዳይ ዝግደሱ ኣካላት ክንድዝከኣሎም ኣብ ጎና ኮይኖም ክሰርሑ ጸዊዓላ።