ብጋዜጣ ጠቕሊሎም ስጋ ዝሸጡ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጋዜጣ ንመጠቕለሊ ዝተጠቐሙ 10 ኬንያውያን ሸየጥቲ ስጋ ከምዝተኣስሩ ጋዜጣ ዘ ስታንዳርድ ፀብፂቡ።
ጋዜጣ ሊድ ዝበሃል ንጥረ ነገርን ካልኦት ዓይነታት ሓፂንን ዘለዎ ቀለም ብምጥቃም እዩ ዝሕተም ዝበሉ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና፤ እዞም ንጥረ ነገራት ወዲ ሰብ እንትምገቦም ሞት ከስዕቡ ከምዝክእሉ ይገልፁ።
ኣብ ከክንዲ ጋዜጣ ፃዕዳ ወይከኣ ቡናዊ ወረቐት ንመጠቕለሊ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ድማ ይምዕዱ።
እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ 10 ሰባት ኣብ 14 መዓልታት ስጋ ብጋዜጣ ጠቕሊሎም ምሻጥ ደው ከብሉ ንዝተውሃቦም መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሎም እዮም ንማእሰርቲ ተቓሊዖም።
ሕጊ ብምጥሓሶም ንፍርዲ ክቐርቡ እዮም ድማ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ 2015 ንናይታ ሃገር ጋዜጣታት ጠሚቶም እንትዛረቡ፡ ጋዜጣታት ኬንያ ንመጠቕለሊ ስጋ ጥራሕ እዮም ዝጠቕሙ ኢሎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







