ኣብ ባሕሪ 40 መዓልታት ሰንፈላል ኮይኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ናብ ጣልያን ኣትዮም

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, MAERSK TANKERS/REUTERS

ሓንቲ ናይ ዴንማርክ መርከብ ካብ ሞት ዘድሓነቶም ስደተኛታት፡ ንኣስታት ኣርበዓ መዓልታት እትቕበሎም ሃገር ስኢኖም ኣብ ባሕሪ ሰንፈላል ኮይኖም ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም።

ማልታ ነቶም ስደተኛታት ኣይቅበልን ኢላ ኣቕቢጻ እንተበረት’ኳ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ትማሊ ንጣልያን ክኣተው ተፈቒድሎም።

እዞም፡ ሓንቲ ነፍሰ ጾር እትርከቦም 72 ስደተኛታት፡ ነሓሰ ክልተ እዮም ካብ ሊብያ ነቒሎም።

እታ ነዐኦም ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ክትጥሕል ምስጀመረት፡ 'ሚርስክ ኢቴኔ' እትበሃል ናይ ዴንማርክ መርከብ ካብ ሞት ኣድሒናቶም።

እንተኾነ እታ መርከብ፡ ናብ ዝኾነ ሃገር ክትጽጋዕ ኣይተፈቐደላን ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቶም ስደተኛታት ትማሊ ቀዳም ኣብ ገማግም ሲሲሊ ወሪዶም።

መጀመርታ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ‘ሜዲትራንያ ሴቪን ሂዩማንስ’ ብዝብል ዝፍለጥ ንሰደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብር ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ ተረኪብዎም ነይሩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ትዊተሩ፡ “እዚ ‘ከይትጽግዑና’ ዝብል መሕፈሪን መነወርን ተግባር፡ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ።

ን38 መዓልታት ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝቐነዩ እዞም ስደተኛታት፡ ንኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ከምዝተሳጥሑ ይግለጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ካበ መንጎኦም ሰለስተ ናብቲ ባሕሪ ዘሊሎም ብምእታው ከምልጡ ህይወቶም ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝነበረን፤ እንተኾነ፡ በቶም ህይወት ኣድሕን ህይወቶም ክተርፍ ከምዝኸኣለን ይዝረብ።

እዚ ተጓንፎ፡ ግሪክ ብሰንኪ ኣብ ሓደ መዓስክር ስደተኛታት ዘጋጠመ ባርዕ፡ ንልዕሊ 12 ሽሕ ስደተኛታት መጽለሊ ክትረክብ ኣብ እትገጓየየሉ ዘላ እዋን እዩ ኣጋጢ ዘሎ።