ሩስያ መረጻ ተካይድ ኣላ

ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሩስያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ከባብያዊ መረጻታት፡ ሰባት ድምጾም ይህብ ኣለዉ። እዚ መረጻ፡ ገዛኢ ውድብ ‘ዩናይትድ ራሽያ ፓርቲ’ ዝብደሃሉ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ’ዚ መረጻ፡ ኣስታት 160,000 ሕጹያት፡ ኣብ ክልላዊ ባይቶ ወንበር ንምርካብ ይነሓናሕ ኣለዉ። ብዙሓት ከባብታት ድማ፡ ኣመሓደርተን ይመርጻ ኣለዋ።

እዚ መረጻታት ዝካየድ ዘሎ፡ መራሒ ተቓውሞ ኣሌክሲ ናቫልኒ ምስተመረዘ፡ ድሕሪ ሰሙናት እዩ።

መሳርሕቱ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተመረዘ እዮም ዝገልጹ፡ ንሱ ግን ኣይወዓልኩዎን እዩ ዝብል።

ናቫልኒ፡ 20 ነሓሰ ኣብ ሩስያ ዝሓመመ ኾይኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ጀርመን ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

እቲ መራሒ ተቓውሞ፡ ሰባት ኣንጻር እቲ “ናይ ገበነኛታትን ለያቡን” እናበለ ዝገልጾ ገዛኢ ሰልፊ ‘ዩናይትድ ራሽያ’ ከድምጹ እዩ ክጉስጉስ ጸኒሑ።

መሳርሕቱ ከምዝብልዎ፡ ብሰንኪ እዚ ጎስጓሱ እዩ ተጠቒዑ ዘሎ።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ምስ ብልሽውናን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝተሓሓዝ ተቐባልነቱ እናሰኣነ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ’ቲ መጻኢ ሰንበት ዝካየድ መረጻ ከድምጹ ዘይክእሉ ሰባት፡ ካብ 11-12 መስከረም፡ ቅድም ኢሎም ክመርጹ እዩ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ፈቒዱ።

እቲ ሚልዮናት ዝሳተፍሉ ዓብዪ መዓልቲ መረጻ ግን መጻኢ ሰንበት ዝካየድ ኮይኑ፡ 56,000 ናይ መረጻ ናቑጣታት ተዳልዩ ኣሎ።

ንሃገራዊ ባይቶ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እዩ መረጻ ዝካየድ።