እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተራ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
እቲ ብልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዞባውን ዓለማውን ኣተኩሮ ዝሰሓበ ማያዊ ምስሕሓብ ኣኸቲሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ጽዓታዊ ግድብ ክውዳእ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን፡ በኸመይ ማይ ክመልእ ኣለዎ ዝብል ጉዳይ እቲ ቀንዲ ዘይምስምማዕ ፈጢሩ ዘሎ'ዩ።
እቲ ኣብ መንጎ እናተቖራረጸ ክመጽእ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ልዝብ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን መዓልቦ ኣይረኸበን ዘሎ።
ኣቐዲሙ'ውን፡ እቲ ናብ ዝኸፍአ ወጥርን ምትፍናንን ከየምርሕ ዝስጋእ ጉዳይ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካርቱምን ካይሮን ሓሊፉ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምስጋሩ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ዓለማዊ ባንክን ዝተፈተነ ዘተ ኣይተዓወተን። ኢትዮጵያ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ነጺጋቶ ምንባራ ይዝከር።
እታ ናይ ግብጺ ወገን ወሲዳ ተባሂላ እትሕመ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ሓሲባ ዝነበረት ናይ 130 ሚልዮን ዶላር፡ ክትስሕቦ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ'ላ።
ኤርትራ እተካይዶ ዘላ ንጥፈታት እንታይ'ዩ?
ኤርትራ ብወገና፡ ነዚ ዓበይቲ ሃገራት ኢደን ኣእትየን ዘይተዓወታሉ ማያዊ ምስሕሓብ ፈለግ ናይል ንምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብኣጋጣሚ ፌስቲቫላት ኣውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ "ኣከራኻሪ" ዝበሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ትሰርሕ ከምዘላ ጠቒሱ።
"ምህናጽ ዲጋ ህዳሰ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ግብጺ ኣከራኻሪ ኮይኑ'ሎ። ነዚ ንምህዳእን ንነዊሕ ብምጥማትን፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ብምትኳርን፡ ብውድዓዊነት ንምፍትሑ ኤርትራ ምስ ሰለስቲአን ዘለዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ገይራ ብንጡፍ ዲፕሎማሲ" ትንቀሳቐስ ከምዘላ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት'ውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነተን ሃገራት ኣብ ምትዕራቕ ዝሰርሕ ዘሎ "ናይ ሰላም ሓይሊ'ዩ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝለዓለ ኣብ ዝነበረሉን ዕጽዋታት ተኣዊጁሉን ኣብ ዝነበረን እዋን፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ንኢትዮጵያ ንብዙሓት ዘገረመ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነን፡ ፈለማ ወርሒ ሓምለን ድማ ኣከታቲሉ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ "ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ምዕባለታትን" ተዘራሪቡ።
ድሕሪ'ዞም ዑደታት እዚኦም ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ18 ሓምለ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘትዩ።
እዚ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት እዚ እቲ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘንቀሎ ምዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ዝሰማምዕሉ'ዩ።
ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኤርትራ ክዕወት ይኽእልዶ?
ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኤርትራ ክዕወት ዘለዎ ተኽእሎ ንምፍላጥ ምስ ክልተ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ነበር ቃለመሕትት ኣካይድና ነይርና።
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ በበይኑ እዋናት ኣመሓዳሪ ዞባታት ሰንሒትን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ዝነበረ'ዩ።
ኣብ ዙርያ ማይ ፈለግ ናይል ዘሎ ሕቶ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ "ውህሉል" ጸገም ምዃኑን፡ ኣብቲ ነዊሕ መስርሕ ድማ ኣብ መንጎ እተን ሰለስተ ሃገራት "ዘይምትእምማን" ዝፈጠረ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ኤርትራ ነዚ "ከቢድ ዝኾነ ጉዳይ" ዝበሎ ምስሕሓብ ክትፈትሕ እኹል ጽልዋን ዓቕምን ከምዘይብላ ኣምባሳደር ዓብደላ ይዛረብ። ንሱ፡ ከምዝብሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘካይዶ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ንምህዳም ዝወስዶ ዘሎ ታክቲካዊ ምንቅስቓስ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀንዲ ኣተኩሮ መንግስቱ ኣብ ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ምዃኑ፡ ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣቶ ዘርኣስላሰ ረዳኢ ብወገኑ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ናይ ብዙሓት ዓበይቲ ሃገራት ረብሓታት ዘለዎን … ዝተሓላለኸን" ስለዝኾነ ኤርትራ እኹል ጽልዋ ክህልዋ ኣይክእልን'ዩ ይብል።
ስእግታት ኲናት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክህሉ ይኽእልዶ ንዝብል ሕቶ፡ ኣምባሳደር ዓብደላ ክምልስ እንከሎ፡ "እቲ ጉዳይ፡ ብቴክኒካዊ እንተ ዝኸውን ቀደም ምተፈትሐ፡ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ናይ ደገ ምትእትታውን'ዩ ዝሓላልኾ ዘሎ" ይብል።
"ከይዱ ከይዱ ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ፍታሕ ከይረኸበ ኣይተርፍን'ዩ። ምኽንያቱ ኲናት ንክልቲኡ ዘርብሕ ኣይኮነን፡ ነቲ ዞባ ብምሉኡ'ውን ዘርብሕ ኣይኮነን፡ መሊሱ ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ዝመልስ ስለዝኾነ፡ ኲናት ብቐሊሉ ዝድፈር ኣይመስለንን ኣብዚ ጉዳይ'ዚ። ግን ብዙሕ ጻዕሪ ከድሊ'ዩ።"
ዝምድና ኤርትራ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?
ኤርትራ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክብን ለጠቕን እናበለ ዝማዕበለ'ዩ።
ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ግብጺ ናጽነት ኤርትራ ኣይተዋሕጠላን ብምባል ክኸስዋ ተሰሚዖም'ዮም። ድሕሪ 1993 ግን፡ ኤርትራ ናጽነታ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ብወግዒ ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ካብ ግብጺ ኣፍልጦ ረኺባ፡ ዝምድንአን ብደረጃ ኤምባሲ ዓብዪ።
እታ ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣብ ወታሃደራዊ ግጭት ዝኣተወት ኤርትራ፡ ብፍላይ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኲናትን ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን በጺሓ'ያ።
ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፡ ኤርትራ ኣብ 1994 ምስ ሱዳን ዝበራ ዝምድና ሃንደበት ክትበትኽ ዘገድድ ኩነታት ኣይነበረን ይብል፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ሱዳን "ንገለ እስላማውያን ሓይልታት ይድግፉ'ዮም እንተበልና" ኢሉ።
ንሱ፡ ከምዝብሎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ዝተበተኸሉ'ውን "ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ኣይፈለጡን"።
"ብዝምልከቶ ትካል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገምጋም ተጌሩ፡ ብኸምዚ ንፍታሓዮ ዝብሃል ስርዓት ኣይነበረናን" ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፡ ፕረዚደንት ዝወስዶም ዝነበረ በይናዊ ስጉምትታት ከም ዝነበሩ ይጠቅስ።
ምስ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ 7 ዓመታት ዝነበረ ዝምድና'ውን፡ እቲ በቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድናን ዝግለጽ ዝነበረ ርክብ፡ ናብቲ ንዕስራ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ወጥርን'ዩ ማዕቢሉ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም'ውን እንተኾነ፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝተሓጽረ'ዩ ክብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ይዛረቡ'ዮም። ከም መርኣያ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ ዝነበረ ምትግባር ኮሚሽን ዶብን፡ ምኽፋት ዶባትን ዛጊት ተንጠልጢሉ ተሪፉ እንተሃለወ።
ኣቶ ኣልኣሚን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኢትዮጵያ ተመስሪቱ ዘሎ ዝምድና "ዝተማለአ ግን ኣይኮነን … መሬትና ገና ተጎቢጡ ኣሎ፡ ቁጠባውን ንግዳውን ምንቅስቓስ ኣብ መንጎናን ኢትዮጵያን ኣይተጀመረን። ነዚ [ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ] ሰላም እዚ ዘይደልይዎ፡ ንዕኦም ሓደጋ ዝቖጽርዎ ሓይልታት ኣለዉ" ኢሉ።
ኣቶ ዘርኣስላሰ ረድኢ፡ እቲ ፕረዚደንት "ከም ቀዳማይ ዲፕሎማሰኛ መጠን…. ንኤርትራ፡ ከም ሃገር ንነዊሕ ዝኸይድ ሰላም ዘለዎ ጉርብትናዊ ዝምድና ክትገብር ዘኽእል፡ ማዕረማዕሪኡ ከኣ፡ ቁጠባዊ ረብሓን ባህላዊ ምትሕግጋዝን ዘለዎ ዝምድና ክትገብር" ኣየኽኣላን ብምባል ይምጉት።
እቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክትገብሮ ዝጸንሐት ዝምድናታት ድማ "ኣብ ጎነጽ ዝተመርኮሰን፡ ተኣማንነት ዘይብሉን ታክቲካል ዝኾነ" እዩ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ድማ ይገልጽ።
እታ ንሓያሎ ተቓወምቲ ጉጅለታት ጎረባብቲ ሃገራት ክትድግፍ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ከም ብዓል ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን የመንን'ውን ኣንጻራ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ዝድግፍሉ ዝነበረ እዋናት ነይሩ'ዩ።
እቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ክሳብ መወዳእታ 2018 ኣንጻር ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት'ውን ብጎስጓስ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከብ ይፍለጥ። ብፍላይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን መስሪቱዎ ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ንምቅርራብ ዕድል ክፈጥረሉ ከምዝኽእል ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ተነጽሎታትን
ክልቲኦም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ነበር፡ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብዊንታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ እምበር፡ ንስትራተጂካዊ ረብሓታት እታ ሃገር ማእከል ዝገበረ ንጹር መምርሒ ከምዘየለ'ዮም ዝዛረቡ።
ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ ትካላዊን መጽናዕታውን ኣሰራርሓ ብዘይምህላዉ፡ ንረብሓታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ንጹር ዝኾነ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ክምዕብል ከምዘይካኣለ፡ ኣብ ተመክሮኦም ብምምርኳስ ገሊጾም።
"ኤርትራ ከም ኣብ ምምዕባል ዘሎ ጸጋታት ዘለዋን፡ ኣብ ተነቃፊ ጂኦስትራተጂካዊ ከባቢ ከም ዘላ ንእሽቶ ሃገርን፡ እንታይ ኢኻ ትጽበ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ፡ ሞያውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝዋፈርሉ ትካል ብምህናጽ፡ ንሶም ዘበርክትሉ በብእዋኑ ዝኽለስ ኣካይዳታት ክህሉ ኢኻ ትጽበ" ይብል ኣቶ ዘርኣስላሰ።
ይኹን እምበር፡ ንሱ ኣብ መዝነቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "እቲ ክእለትን ዓቕምን እንከሎ፡ ካብ ላዕሊ ግን ድሌት ኣይነበረን፡ ከስርሖ ዝኽእል ስርዓት ኣይነበረን። እታ ሚስትሪ ብመንገዲ ውሑዳት ምስኡ ዝለግቡ፡ ናብቲ ፕረዚደንት'ያ ተጠቕሊላ ነይራ" ይብል።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺታት ግን፡ ኤርትራ "ናይ ደገ ኣጀንዳታት" ምዕራባውያን ሃገራት ስለዝመከተት ግዳይ ተነጽሎ ክትከውን ከምዝተገደደት'ዩ ዝዛረብ።
እቲ ፕረዚደንት ብጾቱን፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ንዝነበሩ ዝበዝሑ ካብ ኣባላት ጉጅለ-15 ድሕሪ ምእሳሩን፡ ዝጸደቐ ቅዋም ኣደስኪሉ ብዘይ ሃገራዊ ምርጫ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ካብ ዓለም ተነጺሉ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድ'ውን ክስሕብ ተራእዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መጋባእያታት መራሕቲ ዓለም ካብ ዘይሳተፍ'ውን ዓመታት ኣቚጺሩ'ሎ።
ኣምባሳር ዓብደላ ከም ዝብሎ፡ "እቲ ንሃገር ዝመርሕ ሰብ ወይ መንግስቲ ዝምድንኡ ምስ ካልኦት ንጹል ኮይኑ፡ ኣብ ግርጭት ዝተመርኮሰ እንተኾይኑ እታ ሃገር ብቐጥታ ተነጺላ ኣላ ማለት'ዩ።
"ኤርትራ ምስ ዓለም ጽቡቕ ዝምድና ክትገብር ክትዋሳእ እንድሕር ኮይናሲ፡ ኣብቲ ግቡእ መስመር ክትርከብ ኣለዋ። ኣብታ ሃገር ቅዋም ክህሉ ኣለዎ፡ ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ትካላት ክህሉ ኣለዎ፡ ኪኢላት ብግቡእ ክሰርሑ ኣለዎም፡ እቲ ስትራተጂ ናይታ ሃገር ንጹር ክኸውን ኣለዎ፡ ንዝኾነ ወዲ ሃገር" ብምባል እቲ ፖሊሲ ዜጋታት ርእይቶታቶም ዝህብሉ'ውን ክኸውን ይግብኦ ይብል።
ኣብ ሓምለ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኤርትራ ካብ ባዕላውን ዝተስገደደን ተነጽሎታት ክትወጽእ ተራእያ ነይራ።
ይኹን እምበር፡ ኩነተ-ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ኣብቀዐ'ውን፡ ፖለቲካዊ ለውጥታት ዘይምግባራ፡ እቲ ዝተፈጥረ ዓለምለኻዊ ተገዳስነትን ትጽቢታት እናማህመነ ዝመጽ ዘሎ'ዩ ዝመስል ይብሉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ኤርትራ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ከተካይድ ትረአ።
እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሚኒስተር ሳልሕ ዑስማን ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ቅድሚኡ ኣብ በበይኑ እዋናት በቶም ሎሚ ብመንግስቲ ኣብ 2001 ድሕሪ ምእሳሮም ተሰዊሮም ዘለዉ፡ ሚኒስትራት ነበር፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ከምኡ'ውን ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን ይምራሕ ምንባሩ ይዝከር። ሰለስቲኦም ኣባላት ጉጅለ-15 ኮይኖም፡ ነቲ ፕረዚደንት ብምንቃፎም ዝተኣስሩ'ዮም።
ብፍላይ እቲ ድሓር ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ዝኾነ ኣቶ ጴጥሮስ፡ ብሰንኪ ምትእትታው ፕረዚደንት ካብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት መዝነቱ ክወርድ ከምዝተገደደ'ዮም ብጾቱ ዝዛረቡ።