ወጥሪ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያውያን ይጽንብሉ ግብጻውያን ቁጥዐኦም ይገልጹ

ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ናይ መጀመርታ ማይ ናይ ምምላእ ዜና ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘሐጎሰ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ድማ ቁጠዐ ኣስዒቡ።

ተኸታተልቲ መራሕትን መንግስታትን ግብጺ፡ ኣብ ክሊ ሩባ ኣባይ [ፈለግ ኒል] ዝኾነ ዓይነት ልምዓታዊ ስራሕቲ ከይስራሕ ንዘመናት ይጽዕሩ ነይሮም።

እቲ ጉዳይ ንግብጺ ናይ ሃለዋት ሕቶ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

እንተኾነ፡ ኣብ 2011 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተጀመረ፡ ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቅሳነት ከሊእዎም ይርከብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሓያል ዝናብ ድሕሪ ምውቅዑ፡ እቲ ግድብ 4.9 ቢልዮን ኲቢክ ሜትር ማይ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽሉ ክሳብ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ግድብ ክሕዞ ዝግባእ 74 ቢልዮን ኲቢክ ሜትር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ተዓቑሩ ዘሎ ማይ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ።

እቲ ምጅማሩ ግን፡ ዓብዪ ዜና ዓለም ኮይኑ ቀንዩ።

እዚ ናይ መጀመርታ ደረጃ ማይ ናይ ምምላእ ከይዲ ዝተጀመረ፡ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ዛዕብኡ ሓደ ስምምዕ ቀዲሙ ክፍረም ኣብ ዝሓታሉ እዋን ምዃኑ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ኣዘራረቢ ገይርዎ።

ቅድሚ 9 ዓመት፡ ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጀመረ ንነጀው ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ስሉሳዊ ዘተ ይካየድ እንተነበረ'ኳ፡ ዛጊድ ኣብ ሓደ መዕለቢ ኣይተበጽሐን።

ግብጺ ዝፈርሓቶ ይኑ

ግብጺ ዓለም-ለኻዊ ትካላት ተጠቒማ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ኣሉታዊ ጽዕንቶ ክትፈጥር እንተጸዓረት'ኳ፡ ኣብዚ እዋን ግን ክሰምረላ ኣይከኣለን።

ኢትዮጵያ እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ፡ ነቲ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ጀሚራ ኣላ፤ እዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣሉታዊ ስምዒት ከምዝፈጠረ እዩ ዝዝረብ። እቲ ግብጻውያን ዝፈርሕዎ ኣይተረፈን።

ሓደ ጋዜጠኛ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ጸብለልትነት ከምዘመዘገበት ጽሒፉ።

እንተኾነ፡ እቲ ጋዜጠኛ፡ 'እቲ ጸዋታ ገና ኣይተወደአን' ኣሎ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ኢትዮጵያውያን፡ ንሕና ብዘይካ ኣባይ ክንነብር ከምእንኽእል ክርደኡልና ኣይደልዩን። ኣብ ዓመት ክሳብ 950 ኲቢክ ሜትር ማይ ካብ ዝናብ ይረኽቡ። እዚ ንሕና ካብ ዘድልየና፡ ዳርጋ ፍርቂ ማለት እዩ" ኢሉ።

ድሕሪ ሕዚ ብግብጺ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ'ውን ከም ኣማራጺ ክውሰድ ዝኽእል እዩ ዝመስል።

ርግጽ፡ መራሕቲ ግብጺ ንሰላማዊ መገዲ ብምቕዳም፡ ብደረጃ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።

ኣብ ስምምዕ ዘይብጻሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ግብጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት-ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትወስዶ እያ ትህቅን።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ቤት-ምኽሪ፡ በቶም ኣባል ሃገራት ሙሉእ ተቐባልነት ይረክብ እዩ ምብል ዘበት እዩ።

ምኽንያቱ፡ እንተነኣሰ፡ ቻይናን ሩስያን'ኳ ናይ ባዕልቶም ተመሳሳሊ መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳይ ስግረ-ዶብ ሩባ ኣለዎም።

ይኹን'ምበር፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብዞም ጉዳያት ኣይተስማምዑን ማለት ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክፈጠር ከምዝኽእል ግልጺ እዩ።

ግብጺ ከም እትብሎ በዚ ግድብ ምኽንያት፡ ዋሕዲ ማይ ዘጋጠማ እንተኾይኑ፡ ሳዕቤኑ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳብ ኤውሮጳ ዝዘልቕ ከምዝኾነ እያ እትገልጽ።