እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ክትህባ ዝወጠነቶ '100 ሚልዮን ዶላር ክትክልክል እያ'
ኣሜሪካ ብምኽንያት እቲ ዘካትዕ ዘሎ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ፡ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ወጢናቶ ዝነበረት ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ክትገድፎ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።
ኣሜሪካ ናብ'ዚ ውሳነ እዚ ዝበጽሐት፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐት፡ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ብምጅማራ ከምዝኾነ ወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘሎ ምንጩ ጠቂሱ ጸብጺቡ።
"ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ክንከ ይኽእል እዩ" ክብል፡ እቲ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ዝኾነ ምንጪ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ኣመሪካ፡ ቅድም ክብል 'ውሑስነት ናይቲ ግድብ ከይተጸንዐ ማይ ምውህላል ክጅምር የብሉን' ዝብል ቅዋም ሒዛ ምንባራ፡ እዚ ኣባል ኮንግረስ ይገልጽ።
'ፎሬይን ፖሊሲ' ዝተብሃለ መጽሄት'ውን ንምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ወጢናቶ ዝነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ንዘይምሃብ ከምዝወሰነት፡ ቅድሚ መዓልታት ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ መጽሄት፡ ኣመሪካ ነዚ ሓገዝ ክትክልክል ዝደለየትሉ ምኽንያት፡ ምስ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ምዃኑ ጸብጺቡ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ኣሜሪካ ቅድም ኢላ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ወሲናቶ ዝነበረት ገንዘብ ንኢትዮጵያ ከይውሃብ ዘሕለፈቶ ውሳነ፡ "ግዚያዊ እዩ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ ናይ ውልቂ ትዊተሩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ገንዘብ ደው ምባሉ ኣመልኪቱ ምስ ዝምለከቶም ሰብ መዚ ኣሜሪካ ከምዝተዘራረበ ብምሕባር፡ እቲ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ኢሉ ምህላዉ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ክትህባ መዲባቶ ዝነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከይውሃብ ድሕሪ ምውሳና፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኣሜሪካ መብርሂ ከምዝሓተተን፡ 'እቲ ሓገዝ ንግዚኡ'ዩ ደው ኢሉ' ዝብል መልሲ ከምዝተውሃቦን እዩ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ግብጺ፡ ካብ ሩባ ኣባይ ትረኽቦ መጠን ማይ ከይንክያ ብምስጋእ፡ ንህንጸት እቲ ግድብ ክትቃወሞ እያ ጸኒሓ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንዜጋታታ ዘድልዮም መጠን ጸዓት ክተማልእ ትሃንጾ ምህላዋ እያ ትገልጽ።
ህንጸት እቲ ግድብ ምስተዛዘመ፡ ክሳብ 65 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ቀረብ መብራህትን ጸዓትን ክረኽቡ እዮም።