ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ድሮ ፈተና ግዳይ ጾታዊ ግህሰት ዝኾና ደቂኣንስትዮ

ካርታ ዴ.ሪ ኮንጎ

ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሚሊሻታት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ጾታዊ ምዕማጽ ፈጺሞም።

እተን ተምሃሮ ኣብ ድሮ ፈተና ዝፍተናሉ መዓልቲ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ተሓቢሩ'ሎ።

እቶም ዕጡቓት ኢሲሮ ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ኣብ ዝርከብ 35 ናይ መወዳእታ ዓመት ተምሃሮ ዝነበራሉ ማእኸል ፈተና'ዮም ኣጥቂዖም።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ቀሺ ከምዝሓበሮ ድማ እተን ተምሃሮ ንፈተና ኣብ ዝዳለዋሉ እየን ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾና።

ኣብ ጥቓ ካልእ ማእኸል ፈተና ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብኣማኢት ዝቑጸራ ተምሃሮ ከምዝሃደማ ጸብጻብ ኤኤፍፒ [ወኪል ዜና ፈረንሳ] የመልክት።

ኣብ ጥቓ ዶብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነብሶም ንምድሓን፤ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 700 ተምሃሮን መምህራንን ከምዝሃደሙ ይግለጽ።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ፈተና ንምትእጉጓል ብዝነበሮም ድልየት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ንወሃቢ ቓል ሰራዊት እታ ሃገር ብምጽራሕ እቲ ወኪል ዜና ጸብጺቡ።