ህቡብ ድምጻዊ ኣውረሉስ ማበለ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ተገሊጹ

ድምጻዊ ኣውረሉስ ማበለ

ምንጪ ስእሊ, YOUTUBE

ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኮንጎ ዓቢ ቦታ ዝነበሮ ተፈታዊ ሙዚቀኛ ኣውረሉስ ማበለ፡ ኣብ መበል 67 ዓመቱ ኣብ ርእሰ-ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ።

ኣዝማዱን ገለ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተጻሕፈ ጽሑፋትን፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ብሉጻት ደርፍታት ክደርፍ ዝጸንሓ ኣርካን ሙዚቃ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ይገልጹ።

እንተኾነ፡ ብዛዕባ እዚ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ናይ ሙዚቃ ፈተውቱ፡ ንጉስ 'ሶኮስ' soukous ኢሎም ይገልጽዎ። እዚ ዓይነት ቅዲ ሙዚቃ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ ተፈታዊ ኮይኑ፡ ርስን ዝበለ ሙዚቃ እዩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ጓሉ ሊዛ ሞንተ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ፡ ወላዲኣ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከም ዘላን ገሊጻ እያ።

ካልኦት መሳርሕቱ ዝነበሩ'ውን፡ እዚ ውሩይ ደራፋይ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ኣመልኪቶም።

ወኪሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሙዘቀኛ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተን፡ ንነዊሕ እዋን ካልእ ሕዱር ሕማም ከም ዝነበሮን ገሊጹ።

እቲ ሙዘቀኛ ሓሙስ መዓልቲ ንሆስፒታል ኣትዩ ኣብቲ ዕለት ሞይቱ።

ብተወሳኺ፡ ሬሳ እቲ ሙዘቀኛ ንኮንጎ ክውሰድ ምስ መንግስቲ ኮንጎ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሬስኡ ክሳብ እቲ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ዝለዓል ኣብ ፈረንሳይ ክጸንሕ እዩ።

ማበለ ካብ ኮንጎ ብራዛቪል ኮይኑ፡ ኣብ 1980 እዩ ንፈረንሳይ ተሰዲዱ።

ማበለ፡ ኣብ ናይ 30 ዓመት ናይ ሙዚቃ ስርሑ፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ኣልበም ከም ዝሸጠን፡ ደርፍታቱ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ፍቱዋት ምዃኖም ይግለጽ።